ተመዛበልትን ኣብ ካምፕ ዝነብሩ ወታደራትን ሎሚ ድምፆም ሂቦም – ቦርድ መረፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ መከላከሊ ካምፕን መፅለሊ ተዛመዛበልቲ ውሽጢ ዓድን ከይዲ ድምፂ ምሃብ ሎሚ ተዛዚሙ።
ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላተወርቅ ሃይሉ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ ኣብ ፍሉይ ጣቢያታት መረፃ ኣብ ዝተኻየደ ከይዲ ኣውሃህባ ድምፂ ተመዛበልትን ኣብ ካምፕ ዝነብሩ ወታደራትን ድምፆም ከምዝሃቡ ገሊፀን።
ኣብ ፍሉይ ጣቢያታት መረፃ ዝተካየደ ከይዲ ምውሃብ ድምፂ ኣብ 442 ወታደራዊ ካምፕታትን 82 መዕቆቢ ተመዛበልቲ ጣቢያታት መረፃ ከምዝተኻየደ ኣረዲኤን።
ብሄብሮን ዋልታው