ሓምለዋይ ኣሰር ሓምለዋይ ወርቂ ኢዩ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ውፅኢት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ወርቂ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር “ተስፋ ምትካል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትማሊ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ሓመድ ካብ ምሽርሻር ናይ ምክልኻል ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተዘረገ ማንነት ናይ ምሕካም ሃገራዊ ስነ ልቦና ናይ ምህናፅ ከምኡ ‘ውን ንትውልዲ ዝተርፍ ልዑል ተስፋ ኢዩ ኢሎም።
“ተስፋ ምትካል” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ደቂ ሰባት መንፈሳዊ ምዕባለ ዝዛመድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሓምለዋይ ፀዳል ውሽጣዊ ሰላም ናይ ምሃብን ዝተዘረገ ማንነት ናይ ምሕካምን ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
እቲ መርሃ ግብሪ ዝዓረቑ ጎቦታት ብሓምለዋይ ልባስ ካብ ምኽዳን ብተወሳኺ ህዝቢ ብሓደ ስነ ልቦና ተደሚሩ ንክሳርሕ ብምግባር ናይ ምድማር ሓይሊ ብተግባር ዘርእይ ናይ ስነ ልቦና ለውጢ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ውፅኢት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ወርቂ ኢዩ ብምባል፥ እንተጌፅካሉ ፅባቐ እንተነጊድካሉ ድማ ልዑል ሃፍቲ ከምዝኾነ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ካብ ፍሪያት ቡን ዝርከብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ወሰኽ ምርኣዩን ሓደሽቲ ዘርኢታት ፍራምረ ብምፍላጥ ዝተረኸበ ዕዉትነት ውሕስነት ምግቢ ብኣብነት ረቚሖም።
እዚ ሓምለዋይ ውርሲ፥ ትውልዲ ብድኽነትን ሓገዝን ዝፍለጠሉ ታሪክ ብምቕያር በሊዕኻ ፀጊብካ ካሊእ ምሕጋዝ ዝከኣለሉ ብሩህ ፅባሕ ሎሚ ኮይኑ ዝርእየሉ እውን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ብሶስና ኣለማየሁ