ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ”ኣራዳ የበጎነት መንደር“ ኣጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ”ኣራዳ የበጎነት መንደር“ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ዝመረፀና ህዝቢ እነመስግኖ ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገማቱ ዝፈትሑ ጭቡጣት ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ኢዩ ኢለን።
ብመሰረት ዝተነበረልና አምነት ህዝቢ ዳግም ኢትዮጵያ ንምምራሕ ተወሳከ ሓሙሽተ ዓማውቲ ንፓርቲና ብልፅግና ኣብ ዝተውሃበሉ ፅባሕ ብወለንታዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተዳኸመ፣ ንናብራ ምቹእ ዘይኮኑ መንበሪ ኣባይቲን ከባቢን ናብ ንፁህ፣ ውቁብን መንደር ንምቕያር ኣብ ድሕሪ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ህንፀት ”ኣራዳ የበጎነት መንደር“ ጀሚርና ኢለን።
እተን ከንቲባ ብክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎት 2 ሺሕን 500 ኣባይቲ ንምህናፅ ከምዝተተለመ ተዛሪበን።
ሎሚ ዝተጀመረ በዓል 9 ደብሪ ህንፀት 8 ህንፃታትን ክልተ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ማእኸል ዕዳጋን ዘለዎ ኢዩ ኢለን።