ምርጫ ህዝቢ ነኽበር ኢና…
ናይ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን ካብ ወልቀን ጉጅለን ባህጎም ኣብሊፆም ንሃጎም ቀዳምነት ብምሃብ መስዋእትነት ረሃፅ፣ ደም፣ ዓፅምን ህይወትን ብምኽፋል ንኢትዮጵያ ኣውሪሶሙና ኢዮም።
ንሕና ናይ ሐዚ ትውልዲ ድማ ሃገር ብመገዲ ሰላምን ዴሞክራሲንንቐፃሊ ትውልዲ ንምሽጋር ብካርድና ወሲንና ኣለና።
ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ህዝቢ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ብምውፃእ ድምፁ ብምሽጥር ንዝመረፆ ብምሃብ ዝደለዮ መሪፁ ኣሎ።
ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ እውን ድምፂ ህዝቢ ቆፂሩ ውፅኢቱ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብምርጫ ዝተዓወተ ንልዑል ሓላፍነት ተሓፂዩ። ኣብቲ ውድድር ዘይተዓወተ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ንባዕሉ ንምድላው ዞግዞግ ክጅምር ኢዩ።
ኣብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ካብ ንጎሆ 12፡00 ሰዓት ጀሚሩ አንትካየድ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ምሸት ሰዓት 12፡00 ብዘይምዝዛሙ ቦርድ ምርጫ ንመራፂ ህዝቢ ናይ ምምራፅ መሰሉ ንክጥቀም ክሳብ 6:00 ለይቲ ኣናዊሑሉ ነይሩ።
እቲ ህዝቢ ቅድሚ ምርጫ፣ ኣብ ዕለተ ምርጫን ድሕሪ ምርጫን ብዘርኣዮ ኢትዮጵያዊ ጭዋነት ሃገር ከምዝፈቱን ባህጊ ዴሞክራሲያዊ ልምምዱ ብተግባር ኣርእዩ።
ህዝቢ ዝመረፆ ኣካል ‘ውን እዚ ናይ ምግባር ኮንትራት ሓሙሽተ ዓመት ውዕሊ ይወስድ።
ኣብቲ ከይዲ “ኣነ እፈልጠልካ” ንዝብሉ ኩሎም ህዝቢ ምሕናይን ምፍርራሕን ንጎድኒ ገዲፉ ደምፁ ብምሃብ ንዘርኣዮ ቁርፀኝነት ንሃገሩ ብሰለማዊ መገዲ ንትውልዲ ንምሽግጋር ዘለዎ ድልየትን ተግባርን ኣርእዩ።
ህዝቢ ኣብ’ቲ ምርጫ እርጋን፣ ጉድኣት ኣካል፣ ሕማም፣ ሓዘን፣ ወሊድ፣ መርዓ፣ ቁሪ፣ ዝናብ፣ ፀሓይን ፀልማትን ኣይበደሆን።
እዚ ሃገር ናይ ሓደራን ቅብብልን ምዃና ዘርኣየ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብኹለ መዳይ ዝተኸበረት ሃገር ምህናፅ ቀንዲ ዕማም ምዃኑ ሓደራ ዝሃበ ኢዩ።
ሐዚ እዚ እዋን ናይ ማዕርነትን ሃገራዊ ሓድነትን ኢዩ፤ ብሄራዊ ረብሓና እነኽብረሉን ኩለ መዳይ ምዕባለ እነረጋግፀሉን እዋን ኢዩ።
ኣብ’ቲ ምርጫ ዝነበረ ባህጊን ውፅኢትን ህዝቢ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጠበንጃ እዋን ኣብቂዑ ኢዩ” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኢዩ።
ስለዚ ናይ ህዝቢ ምርጫ ምቕባል እቲ ዝሓሸ ኢዩ። ህዝቢ ወሲኑ ኣሎ፤ ኢትዮጵያ እውን ዝሓሻ መሪፃ ኣላ። ውፅኢት እውን ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ተመራፂ ድማ ዕዮ ገዝኡ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ይዳሎ።
ብሓባር ሃገር ንህነፅ!