ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ንሰላምን ምዕባልን ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ዝተኣሳሰራ ኢየን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ንሰላምን ምዕባልን ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ዝተኣሳሰራ ኢየን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፓርቲ ብልፅግናን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብምዕዋቶም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ከምዝበሉዎ÷ ፕሬዚዳንት ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ብሽሞም፣ ብሽም ሃገሮምን ሕብረት ኣፍሪካን ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ንኢትዮጵያ ዓብዪ ብርተዐ ኢዩ።
ክልቲአን ሃገራት ብሕውነት ከምኡ እውን ንሰላምን ምዕባለን ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ብሓበራዊ ቆራፅነት ዝተኣሳሰራ ከምዝኾና ኣዘኻኺሮም፡፡