Fana: At a Speed of Life!

ኣጀንዳታት ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዕላዊ ይኾኑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣጀንዳታት ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዕላዊ ይኾኑ ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ዕላዊ መግበሪ መግለፂ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባገዳታት፣ ሃደስንቄታትን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣረኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ኮሚሽን ብዝተሃቦ ስልጣን መሰረት ሃገራዊ ኣጀንዳታት ንምፍላይ መካተቲን ንኹሉ ዝሓቁፍን ከይዲ ተኸቲሉ።

ካብ ታሕቲ ናብ ላዕል ሜላ ብምኽታል ዝተዋፀአ ስራሕ ንስራሕ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ናይዚ ከይዲ ውፅኢት ሸሞንተ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ተረኺቦም ኢሎም።

በዚ ድማ ህንፀት ሃገር፣ ኣወዳድባ መንግስቲን ቅርፂን፣ ኩነታት ፌደራል ከተማታት፣ ጉዳይ ሃይማኖት፣ ህንፀት ትካላትን ልዕልነት ሕጊን፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ኣብ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን፣ ግዕዝይናን ሰናይ ምምሕዳርን ከምኡ እውን ጉዳይ ሰላም ከምዝተፈለዩ ገሊፆም።

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.