Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቬንዙዌላ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 164 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ትማሊ ምሸት ኣብ ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 164 ምብፅሑ ግዝያዊ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዴልሲ ሮድሪጌዝ ኣፍሊጦም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ኣፈላላይ ዝበፅሐ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ብመጠን ሬክተር ስኬል 7ነጥቢ 2ን 7 ነጥቢ 5ን ከምዝተመዝገበ ትካል ሓበሬታ ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ውሽጢ 125 ዓመታት ውሽጢ ካብ ዝበፅሑ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ዝለዓለ ምኳኑ ዝተገለፀ እንትኮን፤ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ164 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ብሃይለማርያም ተገኝ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.