ፍትሓዊን ጥንኩርን ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምስ ትካላት ትምህርቲ ጥዕና ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንዕዉት ህንፀት ፍትሓዊን ጥንኩርን ስርዓት ጥዕና ምስ ትካላት ትምህርቲ ጥዕና ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡
2ይ ጉባኤ ትምህርቲ ሕክምና ኣፍሪካ “ሓይሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣፍሪካ ንሓደሽቲ ዕድላትን ፈተናታትን ምድላው” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻር፣ ፍርያት እታወት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ምድንፋዕ ከምኡ እውን ብቑዕን ንቐፃሊ ዝተሰናድኡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ንምፍራይ ቅድሚት ብመሃብ እናተሰርሐ ይርከብ።
ከም ኣህጉር ብግቡእ ዝሰልጠኑ፣ ብቑዓትን ንቀፃሊ ዝተሰናድኡን ሰብ ሞያ ጥዕና ምፍራይ ንዘተኣማምን ስርዓት ጥዕና መሰረት ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ፕሮግራምን ኤክስቴንሽን ጥዕና ብምስፋሕ፣ ኣብ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ኢንቨስት ብምግባር ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ብምጥንኻርን ዘደንቑ ዓወታት ኣመዝጊባ ኢለን።
ኢትዮጵያ ዘላቒ ፋይናንስ ጥዕና ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለት ብምሕባር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 63 ሚሊየን ሰባት ተረባሕቲ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣልዒለን፡፡
ልዕሊ 47 ትካላት ስልጠና ጥዕና ህዝቢ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ 22 ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ስልጠናታት ስፔሻሊቲን ሱፐር ስፔሻሊቲን ብመሃብ በቢዓመቱ 1 ሺሕን 200 ዝኾኑ ስፔሻሊስት ሓኻይም እናተመረቑ ከምዝርከቡ ተዛሪበን።
በለይኩን ዓለም