መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ፡፡
ናይዚ ዓመት ኣኼባ “ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ስርዓት ንፅህና ንምርግጋፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ላዕለዎት ወከልቲን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ኣጀንዳታት ልምዓትን ምትሕብባርን እታ ኣህጉር ክዝትዩ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣፈፃፅማ ኣጀንዳ 2063፣ ኣተገባብራ መሪሕ ቃል 2026 ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ስምምዕነታት እቲ ሕብረትን ሕጋዊ ሰነዳትን ዘፅድቑ እንትኾኑ፥ ከይዲ ኣፈፃፅማ ዝምልከቱ ፀብፃባት ከምዝምመሩ ትፅቢት ይግበር።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ጉዳያት ነቲ ሕብረት ጉባኤ መራሕቲ ዝቐርቡ ሓሳባትን ረቀቕቲ ውሳነታትን ከፅድቑ እዮም።
ብመሳፍንት ብርሌ