ኣፍሪካ ንዘጋጥሙዋ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታት ኣህጉራዊ መፍትሒታት የድልዩ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኣፍሪካ ንዘጋጥሙዋ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታት ኣህጉራዊ መፍትሒታት ክትእልሽ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ መበል 49 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝበልዎ፤ ክሌማዊ ለውጢ ምስ ካልኦት ዓለምለኻዊ ፀገማት ተደሚሩ ዓለም እናፈተነ ይርከብ።
ነዞም ዓለም ለኻዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ምእላሽ ቀንዲ ልኡኽቶ እቲ ጉባኤ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ሕብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ክህልዋ ብዛዕባ ዝግባእ ግደ ብግቡእ ድምፂ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሞተር ዕብየት ዓለም ንኽትከውን፣ ናይ ለውጢ ስጉምተታት ቅኑዕ ኣንፈት ዝተኸተለ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።
ነዚ ድማ ሓዱሽ ኣፍሪካዊ ራኢ ኣድማ ለውጢ ምፍጣር ይግባእ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃፍቲ ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ትካላት ዝምራሕ፣ ንሓባራዊ ተረባሕነትን ምዕባለን እታ ኣህጉር ዝውዕል ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብወገኖም፤ እታ ኣህጉር ክሳብ ሕዚ ለውጢ ዝጠልቡ ብዙሓት ፀገማት እናፈተንዋ ከምዝርከቡ ፀሪሖም።
ጉባኤ ፈፀምቲ ስራሕ ነዞም ፀገማት ኣህጉራዊ መፍትሒ ዘመልክት ኣንፈታት ከቕርብ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ሃገራት ናይ ለውጢ ጉዕዞአን ምስ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ብምጥዕዓም ክትግብራ ይግባእ ኢሎም።
እቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ክህልዋ ዝግባእ እጃምን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ብምድሃብ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ዕላማታት ኣፍሪካ ንምዕዋት ዘኽእል ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ሰላማ ዝተረጋገፀን ንልምዓት ዝተዳለወትን ኣህጉር ምህናፅ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ