Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ።

እቲ ልቓሕ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣገልግሎት፣ ንግዲ፣ ኮንስትራክሽንን ናይ ሕርሻ መቀነባበሪን ንዝነጥፉ ኢንተርፕራይዛት ከምዝቐርብ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ደቀቕቲ፣ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ናይ ፕሮጀክታት ግሪን ኢኮኖሚን እቲ ባንኪ ኣይተ ተፈራ በፍቓዱ፤ እቲ ልቓሕ ብተመጣጣኒ ወለድ ከምዝቐርብ ገሊፆም።

ነቶም ኢንተርፕራይዛት ዝቐረበ ልቓሕ ብትሑት መጠን ወለድ ኣብ ዝተመረፁ ኣርባዕተ ባንክታትን ብሓደ ትካል ማይክሮ ፋይናንስን ኣቢሉ ከምዝወሃብ እውን ኣመልኪቶም።

እቲ ቀረብ ልቓሕ ብደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንዝተጣየሹ ኢንተርፕራይዛት ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ዝተገለጠ እንትኸውን፤ ብሕብረት ኤውሮፓን ባንኪ ልምዓት ጀርመንን እቲ ልቓሕ ከምዘቕረቡዎ ካብ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.