ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣድላዪ ምድላው ንኽግበር ፀዊዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል ሓዱሽ ታሪኽ ንምስራሕ መላእ ኢትዮጵያውያን ኣድላዪ ምድላው ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ተሓባቢሩ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል ካሊእ ታሪኽ ንምስራሕ 5 መዓልቲታት ጥራሕ ተሪፎም ኢሎም።
“ፍቱዋት ደቂ ሃገረይ ኣብዘን መዓልቲታት ኣድላዪ ምድላው ንኽትገብሩ፣ ብቖራፅነት ንክትለዓሉን ብሓድነትና እነመዝግቦ ዓወት ጋህዲ ንኽንገብርን” ክብሉ ሓቲቶም።