ኣብ ህዝባዊ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 8.5 ቢሊየን ፈልሲታት ክትከሉ እዮም
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰርን ዝሕደስ ሓይሊን ብስፍሓት እናሰርሐት እንትትከውን፤ በዚ ድማ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ መሪሕ እናኾነት ትርከብ፡፡
ንኢትዮጵያ ሓዊሱ መብዛሕተአን ሃገራት ንብኽለት ኣየር ምንም ዓይነት ብፅሒት ኣየሃልዋ እምበር፣ ጉድኣቱ ግን ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ማዕረ ይካፈላ፡፡
ኣብ ሓደ እዋን ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ሽፋን ደኒ ከምዝነበራ ይንገር፡፡ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ዘላቒ ዘይኮነ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣጠቓቕማ መሬትን ሽፋን ደኒና ናብ ሰለስተ ሚኢታዊ ወሪዱ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ እዋን ትዝታና እዩ፡፡
ምምንማን ብዝሃ ህይወት ብፍላይ ምድካይ መሬትን ምንካይ መፍረያይነትን፣ ማያዊ ኣካላት ብደለል ምምላእን ምንካይ መጠንን ኢሉ እውን ምጥፋእ ንማሕበረሰብና ንዝኸፍአ ድርቂ፣ ንውሕጅን ፀገም ውሕስና ምግቢን ተቓላዕቲ ገይሩዎ ፀኒሑ እዩ፡፡
እዚ ኣብ ግንዛበ ብምእታው ኣብ 2011 ዓ.ም ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ( ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ተጀመረ፡፡
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ህዝባዊ ጎስጓስ ብምዃን በቢዓመቱ ብቢሊየን ዝቑፀሩ ፈልሲታት ኣብ ኣብ መላእ ከባቢታት ሃገርና ስራሕቲ ምትካልን ምክንኻንን እናተወገነ ይርከብ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዓመት 2011 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 4 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተሓሲቡ ልዕሊ ትልሚ 4 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ፈልሲታት ምትካል ተኻኢሉ፡፡
ኣብ 2012 ዓ.ም 5 ነጥቢ 9 ቢሊዮን፣ ኣብ 2013 ዓ.ም 6 ነጥቢ 8 ቢሊዮን፣ ኣብ 2014 ዓ.ም 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን፣ ኣብ 2015 ዓ.ም 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን፣ 2016 ዓ.ም 7 ነጥቢ 5 ከምኡ እውን ኣብ 2017 ዓ.ም 8 ቢሊዮን ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፤ ኣብ 2018 ዓ.ም ሎሚ ዘበን ድማ 8 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልሲታት ንምትካል ተሓሲቡ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ብሓፈሻ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ዝተተኸሉ ፈልሲትት 50 ቢሊዮን ንብፃሕ ሸቶ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ እዚ ተግባር ድማ ሃገርና ኣብ ዓለም ዝለዓለ መርሃ ግብሪ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝትግበረላ ሃገር ንኽትከውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት፡፡
ውፅኢታውነትን ዓወትን እቲ መርሃ ግብሪ ክርከብ ዝኸኣለ ነቲ ስራሕ ሃገር ለኸ ብምግባር፣ ብዙሓት ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ኣብ ተኸላ ፈልሲን ክንክንን ብምስታፍ እዩ፡፡
ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዘለዎ ረብሓ ሃገራዊ ልምዓት ብተወሳኺ፣ ዓለም ለኸ ትኹረት፣ ናእዳን ምስጋናን ዘምፀአ እንትኸውን ካልኦት ሃገራት እውን ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ንዝገብረኦ ፃዕሪ እቲ ፕሮግራም ከም ሞዴል ምኽታል ጀሚረን ኣለዋ፡፡
ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ጎረባብቲ ሃገራት ሓዊሱ ንኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ክካፈላ ይገብረን ኣሎ፡፡