ትኹረት ዝጠልብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት “ኣብ ምጭብርባር ዘሎ መፃወዲያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ከባቢ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝተፈጠሩ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት እናተበራኸቱ ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡፡
ኢትዮጵያ እውን ነዚ ፀገም ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ዝፀርሐ እቲ ትካል÷ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ምላሽ ዘድልዮ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቡ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ቸርነት ሆርዶፋ ብግደኦም÷ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ኣዘዋወርቲ ኣብ ዝተምሃሩ መናእሰይ ትኹረት ብምግባር ዝሐሸ ዕድል ስራሕ ከምዘሎ ብምምሳልን ሕጋዊ ዝመስሉ መረዳእታታት ብምስንዳእን ዜጋታት ከምዝምለምሉ ኣብሪሆም፡፡
ይኹን እምበር ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ኣውሮፕላን ዝግበር ጉዕዞ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወፅኡ ኣገዳዲ ገበን ክሰርሑ ይግደዱ፤ ንኣካልን ስነ ልቦናዊን ጉድኣት እውን ተቓላዕቲ ይኾኑ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ፀገማት ዝተቓልዑ ልዕሊ 2 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝገበረ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እቲ ፀገም ንምከልኻል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብሚልኪያስ ኣዱኛ