Fana: At a Speed of Life!

ጎስጓስ ኲናትን ዓፈናን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክንቃለሶ ይግባእ – ካብ ዓፈና እቲ ጉጅለ ሃዲሞም ዝመፅኡ መናእሰይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጎስጓስ ኲናትን ዓፈናን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክንቃለሶ ይግባእ ኢሎም ካብ ዓፈና እቲ ጉጅለ ሃዲሞም ዝመፅኡ ተወለድቲ መናእሰይ ክልል ትግራይ፡፡

እቶም መናእሰይ÷ ተለኣኣኺ ታሪኻዊ ፀላእቲ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሕወሓት ጎስጓስ ኲናትን ዓፈናን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሕዝቢን መናእሰይን ትግራይ ኣጥቢቖም ክቃወሙዎን ክቃለሱዎን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምውዳድ መናእሰይ ትግራይ ናብ ኲናት ብግዲ እናሓፈሰን ናብ ሱዳን ብምሻጥን ዝስካሕኽሕ ግፍዒ እናፈፀመ ይርከብ።

ብዙሓት መናእሰይ እውን ነዚ ግፍዒ ብምስጋእ ከባቢኦም ሓዲጎም እናሃደሙ ይርከቡ።

መንእሰይ ገብረኪሮስ ሕሉፍ፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እናፈፀሞ ዝርከብ ናይ ኲናት ወረን ግፋን ብዝፈፀሞ ገበን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ዝገብሮ ፈተነ ምዃኑ ገሊፁ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝምቹ ኩነታት ከምዝፈጠረ ብምዝኽኻር ፌዴራል መንግስቲ ድማ ኣብቲ ስምምዕ ዝተቐመጡ ጉዳያት ክፍፅም ከምዝፀንሐ ኣብሪሁ።

ብኣንፃሩ ግን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓልዮት ከምዘይብሉ ብተግባር ኣርእዩ እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ሰላም እንተደልዩ እኳ እቲ ጉጅለ ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃእ ንመናእሰይ ብግዲ እናገፈፈ ኲናት እናላዓዓለ ይርከብ፤ እዚ ድማ ውድቀቱን ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ቅቡልነትን ምጥፍኡ ዘርኢ ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ሻዕቢያን ካልኦት ወከልቲ ሓይልታትን ብምትሕብባር ኲናት እናለዓለዓ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ንምእታው ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብል ገሊጹ፡፡

ብምዃኑ ድማ ነዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብትሪ ክንቃለሶ ኣለና ክብል ፀዊዑ።

መንእሰይ ፀጋልኡል በርሀ ብወገኑ፤ ህዝቢ ትግራይ “ኲናትን ውግእን ይኣክል” ብምባል ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብፅኑዕ እናተቓወሞ ከምዝርከብ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.