ኣዲስ ኣበባ – ካብ መሕለፊ ቱሪስት ናብ መዕረፊት ቱሪስትን ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝምን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኣዲስ ኣበባ ብፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር፣ ዳግመ ልምዓትን ልምዓት ወሰን ሩባታትን ውቅቲ፣ ፅርይቲን ማራኺትን ከተማ ኮይና ኣላ።
ልምዓት ኮሪደር፣ ልምዓት ወሰን ሩባታትን ዳግማይ ምዕባለን ንምስሊ እታ ከተማ ብዝለዓለ ቀይሩዎ እዩ። መገድታት ምስ ምሉእ መሰረተ ልምዓቶም ተስፋሕሖም ዘመናዊ ኮይኖም ኣለዉ።
ሰፋሕትን ፅሬት ዘለዎምን ኣስፋልት መንገድታት፣ ምቹዋትን ፅሩያትን ናይ እግረኛ መገድታት፣ መገዲ ብሽክለታ፣ ስራሕቲ መብራህቲን ምውቃብን ከምኡ እውን ብዙሓት ሓምለዎት መዕረፊ ቦታታት ተሰሪሖም ኣለዉ።
ረባታት ኣዲስ ኣበባን ከባቢኦምን ካብ ብኽለት ፀርዮም፣ መዕረፊን መዘናግዒን ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ። ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ካብ 2 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ናብ 24 ሚእታዊ ብምዕባይ እታ ከተማ ብዝበለፀ ውቅብቲን ሰሓቢትን ኮይና ኣላ።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ቀትሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብለይቲ እውን ዝዘናግዑላ ከተማ ኮይና ኣላ። ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሙዚየማት፣ ፓርክታት፣ ታሪኻዊ ሓድጊታትን ማእኸላት ባህሊን ብዝበለፀ ውቁባት ኮይኖም ተሓዲሶም ኣለዉ።
ብዙሓት ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ዝካየዱሎም ዘመናውያን ማእኸላት ኮንፈረንስ ተሃኒፆም ኣለዉ። ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ቱሪስታት ንነዊሕ መዓልታት ክፀንሑላ ዘኽእሉ ብዙሓት ዕድላትን መስሕባትን ኣለውዋ።
በዚ ድማ ቁፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ብዝረአ መልክዑ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ሒደት ዓመታት፣ ቁፅሪ ወፃኢ ቱሪስታት ካብ 123 ሺሕን 489ን ናብ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ከምዝዓበየ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እታ ከተማ የመላኽት።
ቁፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ሃገር ድማ ካብ 4 ነጥቢ 1 ሚልዮን ናብ 10 ነጥቢ 5 ሚልዮን ከም ዝዓበየ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ብፍላይ ብዙሓት ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ኮንፈረንሳት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዶም እዮም፡፡ እናተኻየዱ ውን ይርከቡ።