ሓምለዋይ ኣሰር ንኣህጉራዊ ድርድር ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ዓቕሚ ዝሃንፅ እዩ – ዲፕሎማሰኛታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንኣህጉራዊ ድርድር ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ዓቕሚ ዝሃንፅ እዩ ኢሎም ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪካ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ማሕበር ኢኮኖሚያዊ ማሕበር ሃገራት ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጃኩዌስ ዴማፎት ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ከባቢን ልምዓት ከተማን ዝሃነፀቶ ተሞክሮ፣ ንኣፍሪካ ኣህጉራዊ ኩርዓት ከምኡ እውን ንኻልኦት ሃገራት ተግባራዊ ኣብነት እዩ።
ከም ወዳጅነት ፓርክ ዝበሉ ተፈጥሮ ምስ ዘበናዊ ልምዓት ከተማ ዘወሃሃዱ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፤ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ክሌማዊ ለውጢ ብብቕዓት ክትሕሉ ከም እትኽእል ዘረጋግፁ መርኣያታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
የአፍሪካ ሀገራት የኢትዮጵያን አህጉራዊ የመሪነት ሚና እና የአረንጓዴ ልማት ተሞክሮ በመውሰድ አብረው ሊሰሩ እንደሚገባም ዲፕሎማቶቹ አስገንዝበዋል።
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ኣየር ዝሃበቶ ልዑል ትኹረት ዘርኢ እዩ ዝበሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፥ ኣጀንዳታት ዘተ ካብ ኣዳራሽ ናብ ባይታ ብምውራድ ናብ ተግባር ክቕየሩ፣ ዝዓረቑ መሬታት ድማ ብፈልሲ ክሽፈኑ ከም ዘኽኣለ ፀሪሖም።
ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጋምቢያ ፍሉይ ልኡኽ ርክባት ወፃኢ ኣምባሳደር ያንግ ላቦው ብግደኦም፥ እቲ መርሃ ግብሪ ንኣህጉራዊ ድርድር ኣፍሪቃ ዓቕሚ ብምዕባይ ካብ ልዑል ልቀት ካርበን ዝመፅእ ፍትሓዊ ካሕሳ ንኽረኽባ ቁልፊ መበገሲ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ዘርአየቶ ተግባራዊ ውፅኢት ሃገሮም ነቲ ተሞክሮ ቀሲማ ንምትግባር ድልውቲ ክትከውን ከም ዘኽኣላ ተዛሪቦም።
ብቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ምትካል ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፤ ብብርኪ ዓለም ካሕሳ ልቀት ካርቦን ንምድራድር ዘሎ ዓቕሚ ኣጎልቢቱ እዩ ኢሎም።
ሃገራት ኣፍሪካ ንኣህጉራዊ መሪሕነት ኢትዮጵያን ተሞክሮ ሓምለዋይ ልምዓትን ብምውሳድ፤ ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝግባእ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣገንዚቦም።
ብዮናስ ጌትነት