ሃገራዊ ዘተ ፀገማት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪቃ እውን ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እዩ ኢሎም ተዛተይቲ።
ተዛተይቲ ከምዝገለፁዎ፤ ኣብቲ መድረኽ ዘተ እናተለዓሉ ዝርከቡ ሓሳባት፤ ሃገራዊ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ሕብረትን ንምጥንኻር ጥንኩር መሰረት ዘንብሩ እዮም።
ካብ ተዛተይቲ ሓደ ዝኾነ መንእሰይ ዳንኤል ሲሳይ፤ እቲ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየደ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ዝርከብን ዓብዪ ሃገራዊ ተስፋ ዝረኣየሉን እዩ ኢሉ።
እቲ ከይዲ ዕጫ ሃገራዊ ወለዶታት ከምበዓልዋናነት ኣብ ምሕንፃፅ ዘለዎ ታሪኻዊ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግንዛብ ዝካየድ ብምዃኑ፤ ብፍላይ ንመፃኢ ወለዶ ሰገናትን መናእሰይን ብሩህ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ፀሪሑ።
ኣይተ ፃድቻ ሌሌ ብወገኖም፤ እቲ መድረኽ መካተቲ፣ መንፈስ ምክብባር ዝተመልኦ፣ ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ብናፅነት ዝንፀባረቐሉን ጥንኩር ሓባራዊ ስምዒት ዝተርኣየሉን ምዃኑ ተዛሪቦም።
ነፍሲ ወከፍ ተዛታዪ ፀገማት ብዘተ ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ብምእማን፣ ስምዒቱን ሓሳቡን ብግልፂ ዘንፀባርቐሉ መድረኽ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ፤ ንኹሉ ዘሳተፈን ፀገማት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍትን እዩ ዝበሉ ድማ ኣይተ ፋራህ ወርሰመ እዮም።
ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፀገማቶም ብምዝታይ ንምፍታሕ ብሓድነት ዝተኣከቡሉ እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብምዃኑ፤ ካብቲ ጉባኤ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት እወንታዊ ክኸውን ልዑል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።