ህፃናት ካብ ሕቑፊ ኣዴታቶም ናይ ምሕዳግ ክፉእ ልምዲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ትግራይ ንተደጋጋሚ ስቓይ እናቃለዐ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝተኸፈተ በሪ ሰላም ብምዕፃው ሎሚ እውን ናይ ውግእ ነጋሪት እናወቕዐ ይርከብ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይክእል፣ ረብሓታቱ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ብዛዕባ ሰላም ህዝቢን ሃገራዊ ረብሓን ዝኾነ ይኹን ግቡእ ዘይብሉ ፀረ ዴሞክራሲ እኩብ እዩ።
እቲ ጉጅለ ድምፂ ጥይት ብምዕፃው ንህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝሃቦ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ እቲ ክልል ዳግም ናብ ቅልውላው ንምእታው ብትግሃት ይሰርሕ ኣሎ።
ናይ ሃተፍተፍ ሕልሙ ንምዕዋት ድማ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ምስ ዝርከቡ ናይ ጥፍኣት መሻርኽቱ፤ ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ምስ ዝርከቡ ታሪኻዊ ፀላእቲ ምትሕብባር እናፈጠረ ይርከብ።
ብኣንፃሩ መንግስቲ ፌዴራል ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ብምቕራብን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእን ብዙሓት ፃዕሪታት ኣካይዱ እዩ።
መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ትካላትን ዳግም ሃኒፁ እዩ። ንነበር ተዋጋእቲ ድማ ስልጠና ተሃድሶ ክወስዱን ናብ ሕብረተሰብ ክፅምበሩን ኣድላዪ ሓገዝ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።
ይኹን እምበር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መንግስቲ ብቆራፅነት ሒዙዎ ዝነበረ ከይዲ ሰላም ብምንፃግ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ እፎይታ ዘምፀአ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንግዜ መግዝኢ ብምጥቃም ንህዝቢ ምንም ክብሪ ከም ዘይብሉ ኣርእዩ።
ሃንደበት ዝሰኣኖ ስልጣን ዳግም ንምርካብ ድማ ንመናእሰይ ክልል ትግራይ ብወፍሪ ግፋ ብግዲ ኣብ መዓስከራት ወታደራዊ ስልጠና እናኣከበ ይርከብ። ብፍላይ ድማ ህፃናት ካብ ሕቕፊ ኣዴታቶም ብምሕዳግ ኣዴታት ትግራይ ንከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ቅልውላው እናቃለዐ ይርከብ።
እኩይ ተግባር እቲ ጅለ በዚ ጥራሕ ኣየብቅዕን። ሕልሚ ብዝመስል መልክዑ ዝሓሰቦ ትልሚ ንምዕዋት ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ምስ ዝርከቡ ታሪኻዊ ፀላእቲ ሓይልታት “ፅምዶ” ዝተባህለ ዘይቕዱስ መውስቦ ፈጢሩ እዩ።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምትዕንቃፍን እታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ከይህልዋ ንምዝራግን ይሰርሕ ኣሎ።
ብፍጹም ጭካነ ህፃናት ካብ ሑቕፊ ኣዴታቶም ብምሕዳግ ናብ መዓስከራት ውግእ ብምግዓዝን ብሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ሕጊ ተሓታቲ ዝገብር ሰብኣዊ ግፍዒ እናፈፀመ ይርከብ።
ህላወኡ ኣብ ስቓይን መከራን ህዝቢ ከስፍር ዝደሊ እዚ ዘይሕጋዊ ጅለ፤ ሰላማዊ ዘተ ዘይርደኦ፣ ብሓይሊ ብረት ናብ ስልጣን ዝመፅአ ብምዃኑ፣ ኩሎም ድሌታቱ ብሓይሊ ብረት ከፈፅም ዝደሊ እዩ።
ዕድመኡ ንምንዋሕ ዘይፈንቅሎ እምኒ፣ ዘይኩዕቶ ጉድጓድ ዘይብሉ ጉጅለ ህወሓት፤ ሕቶ ህዝቢ እቲ ክልል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምግዳፍ ስልጣን ውሑዳት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ንምቕፃል እናተፀዓረ ይርከብ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ጭቆና ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ “ግፋ ይቑም፤ ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እኩይን ድሑርን ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እናተገንዘቦ ይርከብ።
ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓለም ለኸ ትካላትን ሃገራትን ንእኩይ ሽርሒ እቲ ጅለ ብምኹናን ህዝቢ ትግራይ ካብ ስቓይን መከራን ንምድሓን ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ክቖሙ ይግባእ።