Fana: At a Speed of Life!

ብኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ን270 ሽሕን 548 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ብኣፍረየቲ ኢንተርፕራይዛት ን270 ሽሕ 548 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጥረ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክብን ኮሙኒኬሽንን እቲ ትካል ኣይተ ሮቤል ኣሕመድ፤ ዓቕሚ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ብምጥንኻር ተካእቲ ፍርያታት ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ።

እዚ ዕላማ ንምዕዋት መፍረዪ ቦታ፣ ቀረብ ፋይናንስን እታወትን ካብ ምዕዋት ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ተግባር ተኮር ስልጠናታት እውን እናተውሃቡ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኢንተርፕራይዛት ምስልቓሕን መስርሒ ቦታን ብዝተኣሳሰረ ዘቕርብዎም ሕቶታት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውህሃድን ብምትሕብባርን እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣሰራርሓ እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ዓቕሚ ምፍራይ ንምዕባይን ፅሬት ዘለዎም ፍርያታት ክፈርዩ ንምግባርን ኣድላዪ ሓገዝን ክትትልን እናተገበረ ምዃኑ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት 4 ሺሕን 233 ሓደሽቲ ናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝተጣየሹ እንትኾኑ፤ 16 ሺሕን 998 ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ድማ ክጠናኸሩ ተገይሪ።

ሓደሽቲ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ብምጥያሽ ነባራት ብምጥንኻርን ን270 ሺሕን 548 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረ ኣመልኪቶም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.