Fana: At a Speed of Life!

ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ምዕባለ እቲ ዞባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በሪ ባሕሪ ንሓንቲ ሃገር ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ፣ ስትራቴጂካዊን ማሕበራዊን ዕቤት መሰረት ክብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ እዩ።

ልዕሊ 80 ሚእታዊ ዓለምለኻዊ ንግዲ ብትራንስፖርት ባሕሪ ዝካየድ ብምዃኑ፤ ቀጥታዊ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ምዃን ወፃኢታት ትራንስፖት፣ ታሪፍን ትራንዚትን ብልዑል መጠን ንምንካይ ይሕግዝ።

ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ወደባት፣ ፖሊሲታት ትራንዚትን ፖለቲካዊ ኩነትን ዘለዎም ልዑል ፅግዕተኝነት ብምውጋድ ሃገራዊ ናፅነት የጠናኽር።

ቀርኒ ኣፍሪካ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ስትራተጂካዊ መስመራት ንግዲ ሓደ እኳ እንተኾነ፤ ኣብቲ ዞባ ዝረአዩ ዘለዉ ቁጠባዊ ምዝባዓትን ዘይምርግጋኣትን ግን ዓቕሙ ምሉእ ብምሉእ ከይጥቀም ብድሆ ኮይኖምዎ ይርከቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ዓለም ለኻዊ ጭቡጥ ኩነታት፤ ዕቤት ሓንቲ ሃገር ዘላቒ ንኽኸውን ካብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሓደ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ሃገራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘኽእል ዓቕሚ ምፍጣር ሓደ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻዊን ድሌት ምውና በሪ ባሕሪ እውን ካብዚ ሓቂ ዝተቐድሐ እዩ። እዚ ድሌት ንኻልኦት ዝገፍዕ ዘይኮነስ ኣብቲ ዞባ ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊ ተስፋ ዝህብ፣ ሓባራዊ ተረባሕነትን ብሓባር ምዕባይን ዝተባብዕ ናይ ልምዓት ፃውዒት እዩ።

በሪ ባሕሪ ምርካብ ንሓንቲ ሃገር ናይ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ፃቀላጥፍ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣስ ንሃፍቲ ዓሳ ብሓባር ምልማዕ፣ ምትእስሳር ትራንስፖርት ባሕሪ ምፍጣርን ቱሪዝም ገማግም ባሕሪ ንምንቕቓሕ ዘኽእል ሰፊሕ ዕድል እዩ።

ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብን ልዑል ዓቕሚ ዕዳጋን ዘለዋ ሃገር ብምዃና ብቐጥታ ክትጥቀመሉ እትኽእል በሪ ባሕሪ ምርካባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ምህዳር ባሕሪ ህያው ይገብሮ።

ዝርገሐ መስመራት ባቡር፣ ኣብቲ ዞባ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምትእስሳርን እንትውስኽ፣ ወደባት ብዝበለፀ ቅልጡፍን ተወዳዳሪን ብምግባር፣ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካ ብምውህሃድ ሓባራዊ ዕዳጋ ንኽፍጠር ምቹው ኩነታት ይፈጥር።

ብምዃኑ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራዊ ረብሓ ሓሊፉ ንቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ምዕባለን ኣብ ምፃእ ዝለዓለፃዳ ግደ ኣለዎ።

ተበፃሕነት በሪ ባሕሪ ምስ መሰረተ ልምዓትን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ብምትእስሳር እቲ ከባቢ ናብ ሓደ ዝተወሃሃደ ቁጠባዊ ዞባ ንምልዋጥ ዝከኣል እንትኸውን፤ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ መንፈስ ጥርጣረ ብምውጋድ፣ ኣብ ሽርክነትን ሓባራዊ ተረባሕነትን ዝተመስረተ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ።

ሕልሚ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምርግጋፅ ህላወኣ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓባራዊ ምዕባለ ቀርኒ ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዓብዪ ዕድል ናይ ፅባሕ ምብራቕ ኣፍሪካ እውን እዩ።

ብምዃኑ ኢትዮጵያ ብሽርሒ ውሽጣዊ ባንዳታት ዝሰኣነቶ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ጋህዲ ንምግባር መንግስቲ ካብ ዘካይዶ ዝተጠናኸረ ዲፕሎማሲ ብተወሳኺ ኩሉ ወገን ናይ ባዕሉ ተራ ክፃወት ይግባእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.