Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነት ሃገርን ሃገራዊ ረብሓታትን ዝሕሉ ዘመናዊ ሰራዊት ንምውዳብ ቴክኖሎጂ ወሳኒ እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሉኣላዊነት ሃገርን ሃገራዊ ረብሓታትን ዝሕሉ ዘመናዊ ሰራዊት ንምውዳብ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ኣብ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ዝተወደበ ዘበናዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ሓፂር እዋን ቅልጡፍ ዕቤት ከመዝግብ ዝኸኣለ ሃገራዊ ትካል ምዃኑ ኣልዒሎም።

ሉኣላዊነት ሃገርን ሃገራዊ ረብሓታትን ንምሕላው ብዝኽእል መንገዲ ዘበናዊ ሰራዊት ንምውዳብ ብቴክኖሎጂ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ምድጋፍ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንሓይሊ ምክልኻል ብፍላይ ኣብ ዘፈራት ኣየር፣ መሬትን ሳይበርን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ኢንስቲትዩት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ስምምዕነት ክልቲኦም ትካላት ኣብ ሎጂስቲክስ፣ ስልጠና፣ ሳይበር ድሕነት፣ ክንክን ጥዕና ሰራዊት ምክልኻል፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓይሊ ኣየርን ኤሌክትሮኒክስ ውግእን ዘለዉ ቀንዲ ጉዳያት ዘጠቓልል እዩ።

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት ዑደት ገይሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.