መንግስቲ ኣብ ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝበረታታዕ እዩ – ነበርቲ ከተማ ጅማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኣብ ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ዝበረታታዕ እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ጅማ።
ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ርኢቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ጅማ፤ ብሰንኪ ገለ ውሑዳት ዘይሕጋውያን ውልቀሰባት ስራሕቲ ልምዓት ክጉድኡ የብሎምን ኢሎም።
ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ንዕቤት ሃገር ከምዝጎድእ ብምፅራሕ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢን መንግስቲን ዘሎ ምትእምማን ከምዘዳኽም ገሊፆም።
ብስርቂ ዝምዝበር ሃብቲ ንኣቢያተ ትምህርቲ፣ ንትካላት ጥዕናን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን እንተዝውዕል ህዝቢን ሃገርን ከምዝጠቅም ተዛሪቦም።
መንግስቲ ኣብ ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፤ ሃገር ካብ ቁልቁለት ጉዕዞ ዘድሕን፣ ስራሕቲ ልምዓት ዘቀላጥፍን ሓቀኛ ወለዶ ንምህናፅ ዘኽእልን ምዃኑ እውን ፀሪሖም።
ካብ ግዕዝይና ዝነፅሀት ሃገር ንተተካእቲ ወለዶ ንምርካብ ናይ ኩሎም ኣካላት ምትሕብባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከም ሃገር ዝተመዝገበ ዘዕግብ ውፅኢት ግዕዝይና ካብ ሃገር ብምጥፋእ ክድገም ኣለዎ እውን ኢሎም።
ብወርቅኣፈራው ያለው