Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንበዓል ሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም፣ ኣብፀሐና!!

ዘበን ካብ ፈጣሪ ንወዲ ሰብ ዝተውሃበ መስርሒ መፅሓፍ እዩ። እዚ ናይ ስራሕ መፅሓፍ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተወሰነ ቁፅሪ ገፃት ኣለዎ። ክሳብ ናይ መወዳእታ ገፅ ተዛዚሙ ናይ መወዳእታ ሽፋን ክሳብ ዝዕፆ እንደልዮ ነገር ክንፅሕፍ መሰል ኣብ ኢድና እዩ። ገለ ሰባት ዓለም ዝቐየሩ ሓሳባትን ተግባራትን፣ ካልኦት ድማ ታሪኽ ዝቐየሩ ሓሳባትን ቴክኖሎጂታትን ፅሒፎምሉ እዮም። ብኣንፃሩ ግን ዓለም ዘዕነዉ፣ ህዝቢ ዝኸፋፈሉን ዘጥፍኡን፣ ተፈጥሮ ዘዛብዑ ክፍኣትን ጭካነን ዘምሃሩ ሓሳባትን ተግባራትን ዝፀሓፉሉ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ስንፍናን ድንዛዘን፣ ድቃስን ትህኺትን ዝፀሓፉሉ እውን ኣለዉ።

ኢትዮጵያውያን ኣብዚ መጽሓፍ ዘበን እንታይ እናፀሓፍና ነይርና? ሕዚኸ እንታይ እናፀሓፍና ንርከብ? ኣብ መፃኢኸ እንታይ ክንፅሕፍ ንሓስብ? ብድሕሪት ዘሰናበትናዮ ኣረጊት ዓመትን ኣብ ቅድሜና እንቕበሎ ሓዱሽ ዓመትን ነዞም ሕቶታት መልሲ ክንህብ የገድዱና። ዓለም ዘደነቑ ናይ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ስነ ህንፃ፣ ኣቆፃፅራ ዘበን፣ ስነ ከዋኽብቲ፣ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን፣ ስነ ስእሊን ስነ ዜማን፣ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ዝምልከቱ ገፃት ዘመን ኣብ መጽሓፍ ዘመንና ዝፀሓፍናሎም ናይ ዘበን ገፃት ኣለዉና። ብኣንፃሩ ድማ፣ ጥሜትን ለበዳ ሕማምን፣ ኲናትን ምጭፍጫፍን፣ ምክፍፋልን ምፍልላይን፣ ምንካይን ምድኻምን ዝፀሓፍናሎም ገፃት ዘመን እውን ኣለዉና።

ናይ ትማሊ ዘበን ሓሳረ መከራኡን ኣሰሩን፣ ዕዳኡን ውርሻኡን ሂቡና ሓሊፉ እዩ። ሕዚ ግን እቲ ወሳኒ ነገር ኣብቶም ዝተረፉና ዘበናት እንታይ ቁምነገር ክንሰርሕ ኢና? ዝብል እዩ።

ኢትዮጵያውያን ሎሚ ንወለዶታት ዝተርፍ ዘደንቕ ታሪኽ እናሰራሕና ንርከብ። ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብሓምለዋይ ኣሰር፤ ቱሪዝም ብፕሮጀክትታት መኣሲ፤ ሉኣላውነት ምግቢ ብስርናይ ሓጋይን ትሩፋት ሌማት ትሩፋትን፤ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ድማ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እናሃነፅናን እናጠናኸርናን ንርከብ። ዓቕሚ ሓይሊና ብፕሮጀክት ተፈጥሮ ጋዝን ቴክኖሎጂ ኒውክሌርን ንምዕባይ፤ እታወታት ዘበናዊ ዱኽዒ ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምሽፋን፤ ናይ መገዲ ኣየር ኣድማስና ብግዙፍ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንምስፋሕ፣ ንፅባሕ ሓሲብና ሎሚ እናተጋህና ንርከብ።

ፍፃመ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፤ ፍረ ግድባት መስኖ፤ ልዕልና ፍርያት ሩዝ፤ ተኣምር ፍርያት ፍራምረ፤ ወሰኽ ንግዲ ወፃኢ፤ ውፅኢት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዝፈጠርናዮ ምትእስሳር ሓይሊ፤ ዓወት ዲጂታል 2030፤ ከምኡ እውን ልምዓት ኮሪደርን ሃፍቲ ፅባቐን ኢትዮጵያ እናገለፀ ምምፅኡ፣ መጽሓፍ ዘበንና እናመዝገበ ይርከብ። ልምዓት ወሰን ሩባታትና ሓመድናን፣ ከተማታትና፣ ጥዕና፣ ማይናን እናሓለወ ምዃኑ፤ ደረጃን ዓቕሚን ምፍራይ መድሓኒትና እናዓበየ ምምፅኡ፤ ድሌት መዓድንና፣ መሸጣ ፍርያትና ንዘበናት ዝፀንሐ ስብራት እናፀገነ ምምፅኡ፤ ኣጀንዳ መሰል ዋንነት ባሕሪ ድማ ዓለም ለኸ ተቐባልነት እናረኸበ ምምፅኡ፤ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፅዕንቶ ኣድማስ እናሰፍሐ ምምፅኡን ገፃት መፅሓፍ ዘበን እዚ እዋን እናንበሩ ይርከቡ።

እነሆ ናይ ዘበን መፅሓፍና ናይ 2019 ሓዱሽ ምዕራፍ እንጅምሮ ሃገራዊ ምኽክርና ብዓወት ዛዚምና ኢና ንጅምሮ ዘለና። እዚ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ክሓቱዎ ዝፀንሑ ሕቶ እዩ። ፀገማትና ብኲናት ካብ ምፍታሕ ስለምንታይ ኣይንዛተን ይብሉ ነይሮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሄረሰብ ዘሎ ባህሊ ምዝርራብን ምምኽኻርን ንምንታይ ናብ ፖለቲካ ኣይነምፅኦን እውን ክብሉ ፀኒሖም እዮም። ገፃት መጽሓፍ ዘመንና ክንነብቦም ከለና፣ እዚ ሕቶ ዘቕረቡ ወገናት ክቡር ዋጋ ከፊሎም ምንባሮም የንብቡና። ንሕና ግን ነቲ ሓሳብ ኣሚንናሉ፤ ኣሚንና ድማ ተቐቢልናዮ፤ ተቐቢልና እውን ብተግባር ውዒልናዮ። እቲ ምኽክር ድማ፣ እምነትናን ተግባርናን ትኽክል ምንባሩ ዘረጋግፁ ውፅኢታት ኣምፂኡልና እዩ።

ቀዳማይ ውፅኢት፣ “ሕጫጨ ፀላእቲ ምፍሻል” እዩ። ኢትዮጵያውያን ክመኸኸሩ ኣይኽእሉን፤ እንተመኻኸሩ ድማ ናብ ኻቀራርብ ሓሳብ ኣይበፅሑን ዝብል ብደዐ ኣፍሺልናዮ ኢና። ንምዝታ ከም እንውጥን፣ ወጢንና ከም እንጅምር፣ ጀሚርና ከም ንዛዝም ድማ ብሃገራዊ ዘተ ኣረጋጊፅና ኢና። ብዙሕነት ሓሳባትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓባራዊ ቅዋም ካብ ምሓዝ ከምዘይዓግተና ብተግባር ርኢና ኢና።

ካልኣይ ውፅኢት ድማ “ባህሊ ዘተ” እዩ። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናይ ምዝታይ፣ ምዝርራብን ምርድዳእን ፖለቲካዊ ባህሊ ምምዕባልና ዓብዪ ዓወት እዩ። ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ናይ ሊሂቃን ጉባኤ ጌራ ትኸውን እያ። ንህዝቢ “ንሕና ንፈልጠልካ” ዝብሉ ሊሂቃን፣ ፀገማት ሃገር ንምፍታሕ ብዝብል ስም፣ ስልጣን ክማቐሉ ዝገብሩዎም ጉባኤታት ተኻይዶም እዮም። ናይ ዘመናት ሕቶታትና ግን መፍትሒ ኣይረኸቡን። ስለዚ፣ ካብ ድርድር ሊሂቃን ንላዕሊ፣ ህዝብና ባዕሉ ተዛቲዩ ባዕሉ ድማ መፍትሒ ዘመላኽተሉ ሃገራዊ ምኽክር ክንገብር ዘድለየና በዚ ምኽንያት እዩ። ኣብ ታሪኽ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ብድሙቕ ብርዒ ዝፅሓፍ ዓብዪ ጉባኤ እውን ተኻይዱ እዩ።

ብዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ህዝብና በዓል ዋናን ዋና ተዋሳኢን ብምግባር ተዛዚሙ እዩ። ንኹሎም ከባቢታት፣ ንኹሎም ብሄረሰባት፣ ንኹሎም እምነታት፣ ንመብዛሕትኦም ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ዘለዉ፣ ሓረስቶት፣ ሰበኽ ሳግምን ሸቃሎን፣ ሓለፍቲ ስራሕን ስሩዓት ዜጋታትን፣ ዝተማህሩን ዘይተምሃሩን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኣብዚ መጠን እዚ ኣብ ሓደ ጉባኤን ሓደ ቦታን ምርኻብ፣ ሓዱሽ ታሪኽና እዩ። ኣብ መፅሓፍ ዘበንና ድማ ብወርቃዊ ቀለም ተፅሒፉ እዩ።

ሳልሳይ “ውፅኢቱ” እዩ። ኣብ ኣጀንዳታት ተረዳዲእና ኢና። እዞም ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ድማ ሓደ ብሓደ ናብ ተግባር ዝወርዱ እዮም። ባህሊ ዝኾኑ ኣለዉ። ስርዓት ዝኾኑ ኣለዉ። ኣሰራርሓ ኮይኖም ዝዝርግሑ ኣለዉ። ሓሳብ ኮይኖም ንምረሓሎም ዘለና ኣለዉ። ኣዋጅ ኮይኖም ዝወፅኡ ኣለዉ። ናይ ሕገመንግስቲ መመሓየሺ ሓሳባት ዝኾኑ ኣለዉ። ናይሳዳበ መመሓየሺ ዝኾኑ ኣለዉ። ናይ ጥባሕ ምልክታት፣ ሓወልቲታት፣ ስያመታትን ሃገራዊ ብራንድታትን ዝውስኑ ኣለዉ። ጉዕዞ ትማሊና ዝእርሙ፣ ዘተዓርቑን ብዝሓሸ ምርድዳእ ዝትርጉሙን ኣለዉ።

መንግስቲ ንኹሎም ሓሳባት ብግቡእ መንገዲ ክጥቀመሎም እዩ። ንጉዕዞ ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ብዝተኣረመ መንገዲ ንምምራሕ ከም እታወት ከገልግሉ እዮም። በቢግዚኡ ዝፅርሑ፣ ዝዝከሩን ዝልዓሉን ሓሳባት ክኾኑ እዮም። መፅሓፍ ዘመን ኢትዮጵያ ድማ፣ ቅድሚ ሃገራዊ ዘተን ድሕሪ ሃገራዊ ዘተን ዝተፈላለየ ነገር ከም ዝፅሕፍ የኣምን። ጉዕዞ ምርድዳእ፣ ምስምዕማዕን ምትእስሳርን እናተመሓየሸ ከም ዝኸይድ ክምዝግብ እዩ። እቶም ዝተረዳዳእናሎም ሓሳባት ናብ መሬት ወሪዶም፣ ሱር ሰዲዶም፣ ፍረ ከፍርዩ ከም ዝጀመሩ ድማ ክዝንቶ እዩ።

ሃገራዊ ዘተና ጥራሕ ኣብቲ ዘተ ዝነበሮ ፅቡቕነት ዘይኮነስ ብውፅኢቱ እውን ፅቡቕ ምዃኑ እናርአየ ይርከብ። ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት፣ መንግስቲ ንብዙሓት እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ገይሩ እዩ። እዚ ዝገበረሉ ዕላማ ክልተ እዩ። ቀዳማይ ዕላማ ውፅኢት ሃገራዊ ዘተና ብፍቕሪ፣ ብይቕሬታን ብሰላምን ንምጅማር እዩ። ናብ ሃገራዊ ዘተ ዝመፅኡ ዝተፈላለዩ ወገናት፣ ብሓደ ወይ ብኻልእ ጌጋ ተኣሲሮም ዝነበሩ ወገናት ብይቕሬታን ብመሰረት ሕጊን ክፍትሑ ሓቲቶም ነይሮም። መንግስቲ እዚ ሕቶ ተቐቢሉ፣ ኣብቲ መስርሕ ዝተስማምዑ እሱራት ክፍትሑ ገይሩ እዩ።

ዕላማ ዘተ እውን ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክዘራረቡ፣ ኣብ ዝተረዳድኡሎም ጉዳያት ድማ መፍትሒ ሓሳባት ከቕርቡ ምግባር እዩ። መንግስቲ እውን ነቶም ካብ ምኽክር ዝወፁ ሓሳባት ንምትግባር ዘለዎ ቆራፅነት፣ በዚ ከይዲ ይቕረታ ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ከይዲ ይቕሬታ ዝተፈትሑ ወገናት ብምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ዘተ እወንታዊ ግደ ክፃወቱ እዮም ተባሂሉ ይእመን። ካብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ብምምሃር እቲ መፃኢ ጉዕዞ ናይ ሰላምን ዴሞክራሲን ክገብርዎ ተስፋ ተገይሩሎም ኣሎ። ሕብረተሰብ እውን እዞም ወገናት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ዝግበኦም ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ ክሕግዞምን ክምዕዶምን ይግባእ።

ምዝርራብ፣ ምክርኻርን ምንሕናሕ እናተኻእለ ጎንፂን ኲናትን መፍትሒ ኣይኸውንን። ግዘ ብርዒን ሓሳብን እምበር ግዘ ጠበንጃን ሓይሊን ሓሊፉ እዩ። መፅሓፍ ዘበን ኢትዮጵያ ካብ ሕዚ ንደሓር ታሪኽ ጠበንጃን ሓይሊን ኣይምዝግብን። ኣብ ታሪኽና እኹል ጎንፂን ኲናትን ከምዝነበረ መፅሓፍ ዘበንና ኣርእዩና እዩ። እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ ድማ፣ ሓደሽቲ መገድታት እምበር ኣረጊት ኣካይዳታት ኣይምዝግብን።

ዝቕፅል ዓመት ምህዳር ፖለቲካ እናሰፍሐ፣ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ኣካይዳታትን ብሃገራዊ ረብሓ ኣሰንዩ፣ ብሓባር እንጓዓዘሉ ዓመት ክኸውን እዩ። ሉኣላውነትና ብዝበለፀ ዝኽበረሉ፣ ብዙሕነታዊ ሓድነትና ብዝበለፀ ዝፀንዓሉ፣ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝጀመርናዮ መፍረያይነት ብዓይነትን ብፅሬትን ዝውስኸሉ፣ ሃገርና ድማ መሪሕነታ ኣብ ዞባዊን ኣብ ኣፍሪካን ሱር መሰረት ዘትሕዘሉ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ንኽኸውን ተመስሪቱ ዝህነፀሉ ዓመት ክኸውን እዩ።

እዚ ንኽዕወት ተሳትፎ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ግደ ሊሂቃን፣ ፀሎት ኣቦታት ሃይማኖት፣ ፅንዓትን ቆራፅነትን ትካላት ፀፅታ፣ ትግሃትን ብርተዐን መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት፣ ቅልጣፈ ማሕበረሰብ ንግዲን ንዝቢ ዘለዎ ምሕሳብን፣ ኣይብዳህን በሃላይነት ሓረስታይን ሰበኽ ሳግምን፣ ዘይርብርብ ፃዕሪ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ሓቀኛነት ሚድያታት፣ ዘበናውነት ዲጂታ ዘፈር፣ ንፅህናን ኣገልግሎትን ሰብ ሞያ ሲቪል ሰርቪስ፣ ኣዝዮም ወሰንቲ እዮም።

ሓዱሽ ዓመት ኣብ መፅሓፍ ዘበን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ታሪኽ፣ ሓዱሽ ሓሳብን ሓዱሽ ስልጣነን እንፅሕፈሉ ዓመት ክኸውን ተስፋ ይገብር። እዚ ከም ዝኸውን እውን የኣምን። ፈጣሪ እውን ከም ዝሕግዘና ይተኣማመን።

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ እናኾርዐትን እናተኸበረትን ንዘለኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

5 ጳጉሜን፣ 2018 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.