ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ፣ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽስም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መልእኽቶም፤ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝህበና ሓዱሽ ዓመት ፅልኢን ቂምን ብምግዳፍ ብይቕሬታ መንፈስ ብሓድነት ክንቕፅል ዝግበአና ዓመት ክኸውን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዜጋታት ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ብንፁህ ሕልናን ብዕምቆት ብምግምጋም ንዝተፈፀሙ ጌጋታት ይቕሬታ ብምሕታትን ዳግም ከይደግምዎም ብምውሳንን ክጓዓዙ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም።
ሓዱሽ ዓመት ንኹሉ ሰብ ዝሓሸን ሰላማዊን ንኽኸውን፣ ንቁሕ ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ሓቀኛ ምልዓልን ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም።
እግዚኣብሄር ካብ ልዑል ህያውነቱ ዝተልዓ በቢዓመቱ ናይ ምሕዳስ ዘበን ካብ ምሃብ ኣይተቖጠበን፤ ከም ወትሩ ሎሚ እውን ነዚ ሓዱሽ ዘበን ባሪኹ ሂቡና ኣሎ፤ ይኹን እምበር እዚ ሓዱሽ ዘበን ዓመተ ምፅንዕናዕ ንኽኾነልና ተሳትፎና ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ የብልናን ኢሎም።
“ንኹሉ መድሓኒቱ ቅኑዕ ሕልና እዩ” ዝበሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፤ ኣብ ሓዱሽ ዓመት እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይ ዝሓስብን ኣእምሮ ንኽህበና በዚ ኣእምሮ እዚ ድማ ዘለዉና ጉድለታት ኣሪምናን ኣስተኻኺልናን ሰላም ዝዓሰሎ ዘበን ምፅንናዕን ክኾውን ተመንዮም።