ሓዱሽ ዓመትን ትልሚን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓዱሽ ዓመት ክመፅእ እንከሎ ሓዱሽ ተስፋ ይሕደስ፤ ሰባት ድማ ንሓደሽቲ ብድሆታትን ዕድላትን ንገዛ ርእሶም የዳልዉ።
ሓዱሽ ዓመት ምምፅኡ ኣብ ግምት ብምእታው ንቀፃሊ ጉዕዞ ህይወቶም ሓደሽቲ ውሳነታት ይውስኑ።
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዝሓሸ ህይወት ክህልዎም እናተመነዩ፣ ናይ ትማሊ ዓወታትን ውድቀታትን ይግምግሙ፤ መንፈሶም ኣሐዲሶም ድማ ይቕበልዎ።
ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጉዕዞ ህይወት ገምጊምካ ሓድሽ መደብ ምውፃእ ዝተለመደ ተግባር ንውፅኢታዊነት ይሕግዝ። ምልዋጥ ዘመን ኣብ ሰባት ተስፋ ይፈጥር፣ ንለውጢ እውን የበረታትዕ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ዓመት ዝረኣዩ ኩሎም ተፈጥሯዊ ክስተታት ተስፋ ደቂ ሰባት ዘለምልሙ እዮም።
ምዕጋት ዝናብን ምብራቕ ፀሓይን ምልክት ሓድሽ ጅማሮ ብምዃኖም ንሓድሽ ውሳነ ለውጢ ዘበራትዑ እዮም።
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓዱሽ ጅማሮ ዕድል ዝህብ እንትኾን፤ ሓዱሽ ዓመት ግና ሰባት ናይ ዝሓለፈ ዓመት መንገዲ ህይወቶም ገምጊሞም፣ ዝሓሸ መንነት ንምህናፅ ዝዳለዉሉ ግዜ እዩ።
ርሑስ ሓዱሽ ዓመት!