ልዕሊ 46 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ገንዘብ ብምትላል ገበን ፈፂሙ ካብ ሃገር ዝተሰወረ ተጠርጣሪ ብምትሕብባር ኢንተርፖል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 46 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለወን 12 ናይ BYD Seagull ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ብውክልና ንምሻጥ ምስተረከበ ዝረኸቦ ገንዘብ ንተበዳላይ እንተየረከበ ከቢድ ገበን ምትላል ፈፂሙ ካብ ሃገር ዝተሰወረ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኢሉ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ።
ተጠርጣሪ ካብ ውልቀ ተበሊ ኣይተ ዮናስ ገብረመስቀል ብዝነበሮ ስምምዕነት ውክልና እተን ተሽከርከርቲ ምስተረከበ፣ እቲ ዝረኸቦ ገንዘብ ሒዙ ካብ ሃገር ብምውፃእ፣ ኣብ ታይላንድ፣ ሲንጋፖር፣ ፊሊፒንስን ኢንዶኔዥያን እናተንቀሳቐሰ ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ንምምላጥ ፈቲኑ እዩ።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ሕብረት ፖሊስ (ኢንተርፖል) ብዝገበሮ ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዓለም ለኸ ቀይሕ መጠንቀቕታ (Red Notice) ንኽወፅአሉ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ እቲ ተጠርጣሪ 3 መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብ ኢንዶኔዥያ ብኢንተርፖል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ እንትኸውን፤ 5 መስከረም 2019 ዓ.ም ንፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ መዝገብ ምርመራ ኣዳልዩ ዝዛዘመ እንትኸውን፤ ብተወሳኺ ብክልተ ካልኦት ከበድቲ ገበናት ምትላል ተጠርጢሩ ተወሳኺ ምርመራ እናተኻየደሉ ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ገበናት ግብረ ራዕዲን ዶብ ተሳጋሪ ገበናትን ዝድለዩ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ትካላት ፖሊስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ምስ ኢንተርፖልን ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ገሊፁ።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ እቲ ኦፕሬሽን ንምዕዋት ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ፤ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ኢንዶኔዥያን ኢንተርፖልን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።