መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ስነ-ምህዳር ኣብ ምሕላው ልዑል እጃም ኣለዎ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ እናካየደቶ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኢትዮጵያ ስነ-ምህዳር ኣብ ምሕላው ልዑል እጃም ኣለዎ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 81 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሳተፍ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ጉድኣት ለውጢ ኣየር ንኽቕንስ ዘኽእላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እናካየደት ከም ዘላ ገሊፆም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ምሕላው ስነ-ምህዳር ዓብዪ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ብምሕባር፣ ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ ልዕሊ 56 ቢልዮን ፈልሲታት ክትተክል ከም ዝኸኣለት ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየ ካብ ዘሎ ዲጂታላዊ ስርዓት ተጠቃሚት ንምዃን ኣብቲ ዘፈር ብዙሓት ተግባራት እናካየደት ከምትርከብ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዓውዲ ብፍልጠትን ክእለትን ዝሰልጠነ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ሰፊሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊፆም፣ ከም ኣብነት ድማ ናይ 5 ሚሊየን ኮደራት ስልጠና ፕሮግራም ከም መርኣያ ፀሪሖም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ