ካብ ሓደ ፍልፍል ዝሰትያ ክልተ ሃገራት
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ጅቡቲ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ብሓባር ኣብ ጅቡቲ ዳመርጆግን ካብ ኢትዮጵያ ደወሌን ዘራኽብ ዓቢዪ ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነ ሓድሽ መስመር ቧንቧ መመሓላለፊ ዝፀረየ ነዳዲ ዝርጋሐ ዕላዊ ገይሮም።
መንግስቲ መደመር ናይ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲኡ ግልፂ ኣንፈት ኣለዎ። ምጥንኻር ዞባዊ ምትእስሳርን ጎረባብቲ ቀዳምነት ምሃብን ካብቶም ቀንዲ ትኹረታት እቲ ፖሊሲ እዮም።
እዚ ፖሊሲ ብኣጋጣሚ ዝተቐረፀ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ብሰላምን ብመርህ ሓባራዊ ተጠቃሚነትን ብሓባር ናይ ምዕባይ ራእያ ዝወለዶ እዩ።
ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝካፈልኦ ዶብ ጥራይ ኣይኮነን። ብዙሓት ዜጋታት ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዝረቡ ቋንቋታት ብቐሊሉ ይዛረቡ፤ እዚ ድማ ኣብ ንግዲ፣ ጉዕዞን ዕለታዊ ርክብን ጠንካራ ምትእስሳር ንኽህሉ ገይሩ እዩ።
ካብ ቋንቋ ብምሕላፍ ግን፣ ሓባራዊ ባህሊ፣ ተመሳሳሊ መንነትን ተቐራራቢ ስነ-ልቦናዊ ኣረኣእያታትን ኣብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣብ ቋንቋ ዲፕሎማሲ “ሓይሊ ልስሉስ” (soft power) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣብ ሰነድ ስምምዕ ክግዛእ ዘይክእል ተፈጥሯዊ ምትእስሳር እዩ።
ህዝብታት ቋንቋኦም፣ ምግቦምን ሙዚቃኦምን ክካፈሉ ከለዉ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ዝፍጠር ዘይምርድዳእ እኳ ናብ ዓሚቝ ቅልውላው ናይ ምስግጋር ዕድሉ ይፀብብ። እዚ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ እዩ፤ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ መንግስታት ብምሕላፍ ዘላቒ ዝገብሮ ድማ እዚ እዩ።
ወደብ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ናይ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ወሳኒ መስመር እዩ፤ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይ ወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ በዚ ወደብ ኣቢሉ ይሓልፍ። እዚ ማለት፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ምልኣኽ ቡን ናብ ወፃኢ ክሳብ ምእታው ነዳዲ፣ ብቐጥታ ምስ ውሕስነት ወደብ ጅቡቲ ዝተኣሳሰረ እዩ ማለት እዩ።
እቲ ምትእስሳር ግን ካብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ኣይኮነን። ጅቡቲ ንመስተ እትጥቀመሉ ማይ ብዙሕ ካብ ኢትዮጵያ ይመፅእ፤ ናይ ኢትዮ-ጅቡቲ ዶብ ሰገር ፕሮጀክት ዝስተ ማይ፣ ካብቶም ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ማይ ሓደ እዩ።
ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ንከተማ ጅቡቲን ንኻልኦት ከተማታትን መስተ ማይ የቕርብ፤ ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ማይ ንዓመታት ብነፃ ንጅቡቲ ክትህብ ፀኒሓ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ንጅቡቲ ትልእኽ። እዞም ሓቅታት ሓደ ነገር ዘርእዩ እዮም። እዚ ርክብ “ኢትዮጵያ ወደብ ጅቡቲ ትጥቀም” ዝብል ንፁል ትረኻ ዘይኮነስ፣ ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕደን ዘይትካእ ሃብቲ ዝህባሉ፣ ኣብ ናይ ሓቂ ምድግጋፍ ዝተመስረተ ርክብ እዩ።
መንነት፣ መስመር ንግድን ልውውጥ ተፈጥሯዊ ሃብትን ንሃገራት ክራኸብ ከሎ፣ ውፅኢቱ ተራ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ዘይኮነስ፣ ማእከል ስትራቴጂ ዞባዊ ርግኣት ይኸውን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንጅቡቲ ክበፅሑ ከለዉ፣ ዘሐድስዎ ሓደ ስምምዕ ንግዲ ጥራይ ኣይኮነን፤ ዘጠናኽርዎ ናይ ክልተ ህዝብታት ሓባራዊ መፃኢ ዝሓዘ ምትእስሳር እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ዘይምርግጋእ እናተስፋሕፍሐ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ምቕፃላ ብኣጋጣሚ ዝመፅእ ጉዳይ ኣይኮነን።
ንሱ ባዕሉ ግልፂ መልእኽቲ ኣለዎ። መንግስቲ መደመር፣ መፃኢ ዕድል ዞቦና ካብ ጎንፂን ብምትሕብባር፣ ካብ ምግላል ብምትእስሳር ንምቕራፅ ቈራፅ ምዃኑ የርኢ።
ብኣፈወርቅ እያዩ