Fana: At a Speed of Life!

ጀማሉ ጀንበር (ዶ/ር) ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጀማሉ ጀንበር (ዶ/ር) ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።

ጀማሉ ጀንበር (ዶ/ር) ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ 2016 ጀሚሮም ክሳብ ሕዚ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ኮይኖም እናገልገሉ ፀኒሖም።

ቅድም ክብል እውን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት፣ ኮሚሽነር ምትሕብባር ተሳትፎ ሕብረተሰብን ወለንታን፣ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን፣ ሓላፊ ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ልምዓት ኢንተርፕራይዝን፣ ከምኡ እውን ዋና መካየዲ ስራሕ በዓል መዚ ፍቓድን ቁፅፅርን ኣሽከርከርቲን ተሽከርከርትን ብምዃን ከምዘገልገሉ ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.