Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ጭቡጥ ዕቤት ንኽምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ንኩለመዳይ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘኽብር ኣካይዳ ብምኽታሉ ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ዕቤት ንኽምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ፌዴሪኢ 7ይ ዘበነ ስራሕ 1ይ ዓመት ሓባራዊ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ዝተመርፁ ኣባላት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ዝተረኽብሉ ተኻይዱ።

ፕሬዚደንት ታዬ ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፤ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ምዕባዩ፣ ብምትሕብባር ህዝቢን መንግስቲን ዝካየዱ ፕሮጀክታትን መርሃ ግብሪታን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ከም ዘኽኣሎም ገሊፆም።

ንኣብነት እውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ብዕዙዝ መገዲ ክውስኽ ከም ዘኽአለ ፀሪሖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓፂር እዋን ዘደንቕ ውፅኢት ዘመዝገበ ናይ ከተማታት ዝተዋሃሃደ ልምዓት ህንፀት ኮሪደርን ፕሮጀክታትን ከም ኣብነት ክፅራሕ ከም ዝኸኣል ገሊፆም።

እዞም ዓወታት መንግስቲ ዘውፀኦም መደባት ንምፍፃም ብትግሃት ይሰርሕ ምህላዉን፣ ሕብረተሰብ ድማ ዘለዎ ኩሉ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉን ዘረጋግፁ እዮም ክብሉ ተዛሪቦም።

ዕቤት ኢትዮጵያ ብዝቑፀሩን ብዝፍለጡን መለክዒታት ክርአ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ዓመታዊ ፍርያት ዝራእቲ 2018 ዓ.ም ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበረ 335 ሚልየን ኩንታል ናብ 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ኩንታል ምህርቲ ከም ዝበፅሐ ኣብሪሆም።

ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንመጀመርታ ግዜ እቶት ንግዲ ወፃኢ 11 ነጥቢ 2 ቢልየን ዶላር ከምዝተመዝገበ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ድማ ናብ 4 ነጥ 5 ቢልየን ዶላር ምብፅሑን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝፅርሑ እዮም ኢሎም።

ከምኡ እውን ቀረብ ልቓሕ ናብ 1 ነጥቢ 3 ትሪልየን ብር ምዕባዩ፣ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም ናብ 13 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ፣ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ እቶት ውሽጢ ሃገር ድማ ናብ 1 ትሪልየን 980 ቢልየን ብር ከምዝበፅሐ ገለ ካብቶም ብዙሓት ዝተመዝገቡ ዓወታት እዮም ክብሉ ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.