Fana: At a Speed of Life!

ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣባላት ካቢኔ ልዑል መፅናዕቲ ተኻይዱ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣባላት ካቢኔ ካብ ግዕዝይናን ስረቂን ነፃ ምዃኖም ንምርግጋፅ መፅናዕቲ ተኻይዱ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

7ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዘካየዶ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡሉ ሹመታት ኣባላት ካቢኔ ሓዱሽ መንግስቲ መደመር ኣፅዲቑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ንተሸየምቲ ሕፁያት ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ከም ዝገለፅዎ ኣብ ልዕሊ ዝቐረቡ ሚኒስትራት እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ልዑል ምስጢራዊ ክትትል ክግበረሎም ፀኒሑ።

ሓደሽቲ ዝተሸየሙ ሚኒስትራት ካብ ሙስናን ስርቅን ነፃ ምዃኖም ንምርግጋፅ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ዘለዎም ንጥፈታት ከምኡውን ምስ ዝራኸቡዎም ሰብ ሃፍቲ ዘለዎም ርክብ እውን ሓያል ሓበሬታዊ ክትትል ክግበረሉ ፀኒሑ ኢሎም።

ብተወሳኺ እቶም ሕፁያት ስርቂ ንምቁፅፃርን፣ ብዛዕባ ስርቂ ጥቆማ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ስጉምቲ ንምውሳድን ዝገበሩዎ ፃዕሪ ኣካል እቲ ገምጋም ከም ዝነበረ ገሊፆም። ብርቱዕ ገምጋማት ብምክያድ ንሹመት ከም ዝተመረፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።

#መንግስቲመደመር

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.