ማእገር ዘይድፈር ልዑላውነት ሃገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንናፅነታ፣ ንክብራን ንልዑላውነታን ዝኸፈለቶ ዋጋ ምስ ዝኾነ ካልእ ሃገር ክነፃፀር ከሎ ድሙቕን ዘንፀባርቕን እዩ።
ኣብ ዓብዩ ታሪኽ ድማ ከም ከውሒ ፀኒዑ ዝፀንዐ፣ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ውሑስ ዘብዒ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ይርከብ።
ታሪኽ ዘበናት እቲ ሰራዊት ትብዓት፣ ናይ ዓወት ስነ ልቦና፣ ዓሚቝ ወገናውነት ንህዝቢ ከምኡ’ውን ፅኑዕ ፍቕሪ ሃገር ብትግሃት ምፍፃም መለለዪ እዩ።
ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘበናት ብናይ ትብዓት ታሪኻት ከም ወርቂ እናተፈተነ እዩ ተሃኒፁ።
ካብ ናፅነት ዓድዋ ጀሚሩ ንሃገር ካብ ጥፍኣትን ወራርን ናይ ምድሓን ድሙቕ ኣሰሩ ካብ ሃገር ሓሊፉ ንኣፍሪካ ኣብነት ኮይኑ እዩ።
ንሰራዊት ምክልኻል ዓወት ሓደ ካብ ኣማራፂታት ዘይኮነስ ካብ ታሪኽ ዝወረሶ መለለዪ ባህርዩ እዩ።
ወዲ ህዝቢን ኣገልጋሊ ህዝቢን ዝኾነ ሰራዊት፣ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ደረጃ ዝምዘን፣ ኣብ ግንባር ኲናት ብዝኸፍሎ መስዋእቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምስላፍ ብዘርእዮ ሓጋዝነት’ውን እዩ።
ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ዝበፅሕዋ ዝተፈላለዩ ስግኣታት ፀጥታን ናይ ጥፍኣት ተልእኾታትን ብብቕዓት ክመክት ዝኽእል ሰራዊት ኣለዋ።
ንሓድነት ሃገር ዝፈታተኑ ፈተነታት ብምክልኻል ሰላምን ዘላቒ ህላወን ሃገር ከረጋግፅ ፀኒሑ እዩ።
ብመንግስቲ መደመር ዝተመርሑ ብዙሓት ዓሚቝ ስራሕቲ ለውጢ ኣብ ሰራዊት ሰፊሕን ኣወንታውን ለውጢ ኣምፂኦም እዮም። እዞም ለውጥታት እዚኦም እቲ ሰራዊት ንዘበኑ ዝምጥን፣ ብፍልጠትን ክእለትን ዝተሃንፀ ትካል ክኸውን ኣኽኢሎምዎ እዮም።
ብልዑል ስነ-ምግባርን ክእለትን ስትራቴጂካዊ ፍልጠትን ዝተሃንፀ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንክሊ ኣየር ብጥብቂ ዝሕሉ፣ ብዘበናዊ ነፈርቲ ውግእን ቴክኖሎጂታትን ዝተሃንፀ ሓይሊ ኣየር ዘመናዊ ድሮናትን ስልትታት ሓበሬታን ብምጥቃም ዘይተፀበዮ መጥቃዕቲ ዝምክት ዓቕሚ፤ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ድሕነት ሳይበር ዝሕሉ ዓቕሚ ምክልኻል ተሃኒፁ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣክሊል ናፅነት ዘውዲ ሃገርና ፍልፍል ኩርዓትን መሰረት ውሕስነት ዘላቒ ሰላምን ኮይኑ ንዘይድፈር ልዑላውነት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ዘሰጋግር ሓላዊ ታሪኽ እዩ።
ብመልካም ፈቃዱ