Fana: At a Speed of Life!

መርኣያ ባንዳነት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ልኣላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ባንዳነትን ክሕደትን ፀሊም በሰላ ገዲፎም ክሓልፉ ዝፈተኑ ጉጅለታት ሒደት ኣይኮኑን።

ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ኣዶ ሃገሩ ክሕደት ብምፍፃም፣ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብለይቲ ዝከድዐ ብረብሓ ዝተገዝአን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ እዩ።

እዚ ጉጅለ ህርፋን ስልጣኑ ንምርዋይን ስርዓት ስርቒ ንምቕፃልን ክብል፣ ህላወ ሃገር ኣብ ኢድ ታሪኻዊ ፀላእቲ ንምርካብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ሎሚ ብብርቱዕ ቀላፅም እቲ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተሳዒሩ ፍፁም ውርደት ተጎልቢቡ ኣሎ።

መንነት እዚ ከሓዲ ጉጅለን ጉዕዞ ባንዳነቱን፣ እቲ ጉጅለ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብክሕደት ካብ ዝወቕዓሉ ፅባሕ ኣትሒዙ ብዓቕሙ ጥራይ ደው ክብል ከም ዘይክእል ብግቡእ ስለ ዝተረድአ እዩ።በዚ ምኽንያት ድማ ብቐጥታ ናብ ባዕዳዊ ሃገራትን ሕቑፊ ኣምሪሑ።

በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ክትዳኸምን ክትበታተንን ምስ ዝደልዩ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብምትሕብባር ንሃገር ብዲፕሎማሲ፣ ብቁጠባን ብፕሮፓጋንዳን ንምፍራስ ለይትን ቀትርን ሰሪሑ።

እዚ ጉዕዞ ክሕደት ካብ ምስጢራት ሃገር ኣሓሊፉ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፣ ሓይልታት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከእትዉ ክሳብ ምልማን ዝበፅሐ፣ ፍፁም ታሪኻዊ መርኣያ ባንዳነት እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ብደገፍ ሓይልታት ወፃኢ ተሓጊዙ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምፍራስ እኳ እንተፈተነ፣ ዝገጠሞ ግና እቲ ዘይስኮንን ማእገር ሃገር ዝኾነን ሰራዊት ምክልኻል እዩ።

ትብዓት እቲ ሰራዊትን ስትራቴጂካዊ መጥቃዕቱን ትልሚ እቲ ከሓዲ ጉጅለ ዘፍረሰ ኮይኑ፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ግንባር ኲናት ክፃወር ስለዘይኸኣለ፣ ናብ ህድማ ኣምሪሑ።

ትማሊ ብትዕቢት ዝፍክር ዝነበረ እዚ ጉጅለ፣ ሎሚ ብጀግና ሰራዊት ረቂቕን ቀጥታዊን ውግእ ክእለት እናተሳዕረ፣ መሕብኢ ብምስኣኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጫካታትን ኣፍደገ ኤምባሲታት ባዕዳዊ ሃገራትን ክሃድም ተራእዩ።

እዚ ህድማ እዚ ተራ ስዕረት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሞራላውን ታሪኻውን ውድቀት እቲ ትካል እውን ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ።

ናይዚ ከሓዲ ጉጅለ ህድማ ሎሚ መላእ ህዝቢ ዓለም ዝተዓዘቦ ዓብዩ ውርደት ኮይኑ ኣሎ። ባዕዳዊ ሓይልታት ረብሓታቶም ንምርግጋፅ ክጥቀሙሉ ዝፈተኑ እዚ ባንዳ ጉጅለ፣ ኣገልጋሊነቱ ምስ ኣብቅዐን ብፅንዓት ኢትዮጵያውያን ምስ ተሳዕረን፣ ደገፍቱ ዝነበሩ ወፃኢ መሻርኽቱ እውን ገፆም ክመልሱሉ ገይሩ።

ኣብ ልዕሊ ኣዶ ሃገር ክሕደት ብምፍፃም ብዓወት ክትወፅእ ከም ዘይከኣል፣ የግዳስ ታሪኻዊ ውርደት ተጎልቢቡ ብህዝቢ ተፈንፊኑ ክትተርፍ ከም ዝገብር እዚ ጉጅለ ህያው ምስክር እዩ።

ብሓፈሻ ጉዕዞ ዘይሕጋዊ ህወሓት መወዳትኡ ብህድማ፣ ውርደትን ኣብ ታሪኽ መዝገብ ባንዳነት ቀዳማይ ስፍራ ኮይኑ።

እዚ ድማ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህዝብን ብሓባር ዝተሰለፉሉ ልኣላውነት ዝኾነ ሓይሊ ወፃኢ ይኹን ውሽጣዊ ባንዳ ክደፍሮ ከም ዘይክእል ብተግባር ዘረጋገፀ ድሙቕ ምዕራፍ ታሪኽ እዩ።

ብሃይለኢየሱስ መኮንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.