Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ናካላ ሞዛምቢክ ሓድሽ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ናካላ ሞዛምቢክ ሓድሽ በረራ ጀሚሩ።

ኣብቲ ናይ ምጅማር ስነ ስርዓት ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ መትከል ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝተመስረተ ሓያል ምትእስሳር ከም ዘለወን ገሊፆም።

ናብ ከተማ ናካላ ዝተጀመረ በረራ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምስግጋር ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ምስ ጉባኤ ፎረም ጣና ጎና ጎኒ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዘተ ከም ዝገበሩ ብምዝኽኻር፣ እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምስፋሕ መሰረት ከም ዝኸውን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ሞዛምቢክ ኣብ ኢትዮጵያ ኑኖ ቶማስ ብወገኖም፣ እቲ ሓድሽ በረራ ንዝምድና ቱሪዝም፣ ንግድን ኢንቨስትመንት ንምስላጥ ክልቲአን ሃገራት ልዑል ተራ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ባህላዊ ልምድታትን ፀጋታትን ንዓለም ንምልላይ እቲ ሓድሽ ናይ ኣየር ምትእስሳር ጠቓሚ ዕድል ከም ዝፈጥርን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኣወንታዊ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎን ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.