ኢትዮጵያ ኣብ ኣባልነት ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ብሕታዊት ሕፅይቲ ኣፍሪካ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን (ICAO) ንኣፍሪካ ብምውካል ንኣባልነት ዝቐረበት ብሕታዊት ሕፅይቲ ኮይና ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓበሮ፤ ምሕፃይ እታ ሃገር ንዓለም ለኸ ዘፈር ሲቪል ኣቪየሽን እትገብሮ ዘላቒ ኣበርክቶን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ኣቪየሽን ረብሓታት ኣፍሪካ ንምሕላው ዘለዋ ቆራፅነትን ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያ መስራቲት ኣባል ኮሚሽን ሲቪል ኣቪየሽን ኣፍሪካ ከምዝኾነትን ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓሰርተ ዓመታት ዘጥረየቶ ትካላዊ ተሞክሮ፣ ቴክኒካዊ ብቕዓት፣ ከምኡ እውን ኣብ ድሕንነት ኣቪየሽን፣ ምክልኻልን ህንፀት ዓቕሚን ዘለዋ ፅኑዕ ሽም ሒዛ ንኣባልነት እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝቐረበት ኣመልኪቱ።
ኣፍሪካ ምስ ኣውሮፓ፣ ማእኸላይ ምብራቕን እሲያን ዘራኽብ ስትራተጂካዊ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኢትዮጵያ፤ ብሰፊሕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣየር፣ ብዘበናዊ ስልጠና ኣቪየሽን፣ ብፅገና ነፈርቲን ዓቕሚ ኣገልግሎት ካርጎን ኣቢላ ዓለም ለኸ ምትእስሳር ኣብ ምጥንኻር ከምዝቐፀለት ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና እንተተመሪፃ፤ ዕላማታት እቲ ትካል ንምዕዋት ዝያዳ ዘተኣማምንን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ኣቪየሽን ንምስፋሕ፣ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ ከምኡ እውን ሃገራት ካብ ዘላቒ ዕቤት ኣቪየሽን ተጠቀምቲ ንኽኾና ክትሰርሕ ቃል ከምዝኣተወት ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመልክት።
ብእመቤት ሲሳይ