Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ መቐለ ዝፈፀሞ ዕንወትን ጉሕለትን ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ዝፈፀሞ ዕንወትን ጉሕለትን ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዋና ዋናምምሕዳራዊ ትካላትን ኣገልግሎት ህዝቢ ዝህቡ ትካላትን ሰፊሕ ጉሕለትን ዕንወትን ኣብፂሑ እዩ። እዚ ተግባሩ ድማ እቲ ጉጅለ ንምድሪ ትግራይን ንህዝባን ዝግደስ ከምዘይኮነ ዘረጋግፅ እዩ ተባሂሉ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ህንፃታት ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ከንቲባ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ቤት ምኽርን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ዝበፅሐ ዕንወትን ስርቂን እቲ ጉጅለ ንንብረት ህዝብን ኣገልግሎታት ማሕበረሰብን ዘይግምት ኣካይዳ ከምዝተኸተለ የመልክት።

ብሰንኪ እቲ ዝበፅሐ ሰፊሕ ጉድኣት ኣብታ ከተማ ስራሕቲ ምምሕዳርን ኣገልግሎታት ህዝብን ከምዝተቛረፁ ዝተገልፀ ኮይኑ እዚ ድማ ንመቐለ ዳግማይ ንምህናፅ ተወሳኺ ሃብቲ፣ ግዜን ፃዕርን ክሓትት ገይሩ እዩ። ብተወሳኺ ትካላዊ ዓቕሚ እቲ ክልል ኣዝዩ ኣዳኺሙ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ነቶም ዝተጎድኡ ትካላት ዳግማይ ብምህናፅን ኣገልግሎታት ህዝቢ ብንቡር ንምቕፃልን ዘኽእሉ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት የካይድ ኣሎ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.