Fana: At a Speed of Life!

ምርምርን ልምዓትን ድሮን ንምጥንኻር ዝሕግዝ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንዱስትሪ ኤሮናቲክስ ስካይዊንን ኢንስቲትዩት ሳይንስ ስፔስን ጂኦስፓሻል ኢትዮጵያን ምርምርን ልምዓትን ድሮን ንምጥንኻር ዝሕግዝ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኤሮናቲክስ ኢትዮጵያ ንምዕባይ፣ ምርምርን ልምዓትን ድሮን ንምጥንኻር፣ ከምኡ እውን ኣገልግሎት ቅየሳ ኣየር ንምስፋሕ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዲዛይንን ምፍራይን ድሮንን ከምኡ እውን ኣብ ፈተናን ምርግጋፅን ስርዓታት፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ንምፍጣር፣ ተሞክሮን ፍልጠትን ንምልውዋጥ፣ ውፅኢታት ምርምር ናብ ተግባራዊ መፍትሒ ንምስግጋር ከምኡ እውን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ዕድል ከምዝፈጥር ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ሲሳይ ቶላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ስምምዕነት ዓቕሚ ክልቲኦም ትካላት ብምውህሃድ ውፅኢታት ምርምር ናብ ጭቡጥ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንምስግጋር ከምኡ እውን ሉኣላዊነት ቴክኖሎጂ ንምርግጋፅ ዘኽእል ዕድል ዝፈጥር እዩ።

ቴክኖሎጂታት ኤሮናቲክስን ድሮንን ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ልምዓት ልዑል ተራ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ዝተዋደደ ኣመራርሓ ምሃብ ንዕዉትነት እቲ ምትሕብባር ወሳኒ ብምዃኑ ብቕልጡፍ ናብ ኣፈፃፅማ ክእቶ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሳይንስ ስፔስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣብዲሳ ይልማ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ምፍራም እቲ ሰነድ ስምምዕነት ንህንፀት ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ሃገር በቆል ቴክኖሎጂን ዕቤት ዘፈር ኣቪየሽንን ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ብምዃኑ ኣገዳስነት እቲ ምትሕብባር ዘጉልህ እዩ ኢሎም።

ዕቤት ዘፈር ኤሮስፔስ ውሽጢ ሃገር ንምድጋፍ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ብምሕባር፤ እዚ ድማ ካብ ትካላዊ ርክብ ሓሊፉ ከም ሃገር ብቴክኖሎጂ ርእሳ ንምኽኣል፣ ፍልጠት ምህንድስና ንምስፍሕፋሕን ንዘላቒ ልምዓትን ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ምግላፆም ሓበሬታ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን የመልክት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.