Fana: At a Speed of Life!

እናጠንከረ ዝመፀ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩስያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩስያን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ 130 ዓመታት ንላዕሊ ዕድመ ኣቑፂሩ ኣሎ።

ኣብ እዋን ኩናት ዓድዋ ሓደ ናይ ሩስያ ጉጅለ ሕክምና ኣብቲ ውግእ ብምስታፍ ንዝቖሰሉ ተዋጋእቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝጀመረ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዘበናት እናዓበየን እናማዕበለን ክሳብ ሎሚ በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ዘበነ መንግስቲ ቀዳማዊ ሃይለ ሥላሴ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣንፃር ፋሺስታውያንን ናዚን ተዋጊአን እየን። ኢትዮጵያ ንቀይሕ ጦር ሕብረት ሶቭየት ሓገዝ ምሃባ እውን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ።

እቶም ንጉሰ ነገስቲ ኣብ 1945 ዓ.ም.ፈ ዝተሃንፀ ማእከል ባህሊ ሩስያ ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም። ብ1959ን 1967ን ዓ.ም.ፈ ድማ ቀዳማዊ ሃይለ ሥላሴ ንሩስያ ዑደት ገይሮም። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ወደብ ዓሰብ መፅረዪ ነዳዲ ንኢትዮጵያ ሃኒፃ እያ።

ኣብ ዘበነ ደርጊ እውን ክልቲአን ሃገራት ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ምኽንያት ኣብ ሓያል ዕርክነት ዝተመስረተ ምሉእ ሸፈን ዘለዎ ወታደራዊ ፖለቲካዊን ስነ ሓሳባዊን ሽርክነት ነይርወን።

ሞስኮ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ሩስያ ትምህርቶም ክከታተሉ ብምግባር ዝምድና ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ዓብዩ ግደ ተፃዊታ እያ።

ኣብ ዘበነ ኢህአዴግ እውን ሩስያ ምስ ስረዛ ዕዳ ዝተኣሳሰር ሓገዛት ሓዊሳ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ደገፍ ብምግባር ሽርክነታን ዕርክነታን ምስ ኢትዮጵያ ቀፃላ እያ።

እዚ ሽርክነትን ዕርክነትን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ መደመር እውን እናተጠናኸረ ቀፂሉ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩስያን ናብ ልዑል ደረጃ በፂሑ ኣሎ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊን ብዙሕ ወገናዊን መድረኻት ልዑል ምትሕብባርን ምናባብን ኣለወን። እዚ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሪክስ፣ ሩስያ ኣፍሪካን ካልኦት መድረኻትን ተራእዩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅሉ እዋን ጀሚሮም ሰለስተ ግዜ ንሞስኮ በፂሖም እዮም።

ኣብቲ ሳልሳይ መድረኽ ዝምድና ሩስያን ኣፍሪካን ይሳተፉ ዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ዝምድና ብዝያዳ ንምጥንኻር ዝከኣለሉ መንገድታት ተዛትዮም።

እቶም ክልተ መራሕቲ ብዛዕባ ኣብ ዓውዲ ሓይሊ ኒውክሌር፣ ጥዕናን ንግድን ዘሎ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረቱ ክልተኣዊን ብዙሕ ወገናዊን ጉዳያት ተዘራሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.