ሰማይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ!
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ኤሮስፔስ ዘርአየቶ ቅልጡፍ ስግግር፣ ተረባሕነት ቴክኖሎጂ ካብ ምዃን ሓሊፋ ናታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሰፊሑ ናብ ምፍራይ ዝተሰጋገረትሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ እዩ።
እዚ ስትራተጂካዊ ስጉምቲ ታሪኻዊ መንፈስ ናፅነትን ፅንዓትን ዘይምብዳህ እታ ሃገር ምስ ዘበናዊ ምዕባለ ዲጂታልን ኤሮኖቲክስን ብምውህሃድ ዓብዪ መርኣያ ሉኣላዊነት ኮይኑ እዩ።
ምንቅስቓስ ምፍራይ ድሮናት ኢትዮጵያ መንግስቲ መደመር ቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብጭቡጥ መሰረተ ልምዓን ሃገር በቆል ፍልጠትን ዝተደገፈ ተግባር ከምዝፍፅም ዘርኢ እዩ።
29 ለካቲት 2017 ዓ.ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረ ኢንዱስትሪ ኤሮኖቲክስ ስካይዊን፤ ኣካል እዚ ዓብዪ ፃዕሪ ኮይኑ ንፀፅታ፣ ንምውፋር ሓበሬታ፣ ንሲቪልን ወታደራዊን ኣገልግሎታት ዝውዕላ ድሮናት ብልዑል ፅሬት እናፍረየ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤሮ ኣባይ ዝተብሃለ ካልኣይ ዋና ማእኸል ምፍራይን ምግጥጣምን ዓቕሚ ምህንድስና ኤሮኖቲክስ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
እዚ ጭቡጥ ውፅኢት እዚ ዝተረኸበ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብምምሕዳር ፀፅታ ኔትወርክ ሓበሬታ (INSA)ን ብኢንስቲትዩት ሰብ ሰራሕ ብልሒ ኢትዮጵያን ኣቢሉ ብዝተዋደደ ማዕቐፍ ምርምርን ልምዓትን ሶፍትዌር፣ ሃርድዌርን ቴክኖሎጂታት ሰንሰርን እቶም ድሮናት ብዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ክምዕብሉ ብምግባሩ እዩ።
ጎቦታትን እምባታትን መልክኣ ምድሪ ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ንፍርያታት ኤሮስፔስ ፈታኒ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሓ ድሮናት ግን እዚ ተፈጥሮኣ ምስሊ ከም ዕድል ተጠቒመናሉ እየን።
እተን ፍርያታት ኣብ ኣብቲ መልክኣ-ምድሪ ብዘይፀገም ብልዑል ቅልጣፈ ናይ ምብራር ዓቕሚ ክህልወን ተገይረን ዝተሓንፀፃ እየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስልታት ብቕልጡፍ ናይ ምትንታን፣ ዒላማታት ናይ ምልላይን ብዘይ ሰብ ምትንኻፍ ናይ ምብራርን ዓቕሚ ዘለወን ዘበናውያን ሰብ ሰራሕ ብልሒ ስርዓታት ሶፍትዌር ተገጢሙለን እዩ።
ብኻልእ መዳይ ኣብ ዘፈር ሲቪል ኣገልግሎት ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ካብ ኣየር ናይ ምክትታል፣ ፀረ-ባልዕ መድሃኒታት ናይ ምንፃግ፣ ከምኡ እውን ንትልሚ ከተማን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ዘገልግሉ ካርታታት ጂኦስፓሻል ብልዑል ፅሬት ናይ ምድላው ስራሕቲ የካይዳ።
ድሮናት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ስግግር ቴክኖሎጂ ጥራሕ ዘይኮነስ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ሉዓላውነት እታ ሃገር ዘጠናኽር ስትራተጂካዊ ስጉምቲ እዩ።
እዚ ከይዲ እዚ ንመናእሰይ መሃንዲሳት፣ ኣማዕበልቲ ሶፍትዌርን ተመራመርቲን ሰፊሕ ዕድል ምዕባይ ቴክኖሎጂ ዝፈጠረ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ክብሪ ፅንዓታ ምስ ዘበናዊ ምዕባለ ሳይንስ ብምውህሃድ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዘይብዳህ ዓቕሚ እናሃነፀት ከምትርከብ ዘረጋግፅ እዩ።
ብሶስና ኣለማየሁ