ምንቅስቓስ ባሕሪ ንምስላጥ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ – ቫይስ አድሚራል ክንዱ ገዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ምንቅስቓስ ባሕሪ ንምስላጥን ፀገማት እንተጋጥሙ ንምፍታሕ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ አድሚራል ክንዱ ገዙ፡፡
ብሓፈሻዊ መምርሒ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ተዳልዩ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ የመን፣ ኦማን፣ ጅቡቲ፣ ሶማሌላንድን ከምኡ እውን ፑንትላንድን ዝተሳተፉሉ ፎረም ምክያዱ ይዝከር።
እቲ ፎረም ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ዘሎ ናይ ባሕሪ ህይወት ኣድሕንን ፀጥታን ስራሕቲ ብሓባር ንምክያድ ዘኽእል ልውውጥ ተሞክሮ ተኻይዱሉ።
ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ፣ ሕቶ ወደብ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስ ብምሕባር፣ እቲ ፎረም ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ብቐረባን ብዘተን ንምስራሕ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።
እናተጠናኸረ ዝመፅእ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ንምዝታይ ብቑዕን ተመራፅን ምዃኑ ብምግላፅ ንመጀመርታ ግዜ ዝተዳለወ ፎረም እውን ነዚ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘጋጠመ ልዑል ፀገም ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ፅዕንቶ እናሕደረ ምዃኑ ብምሕባር፤ ፀገማት ባሕሪ ንምክልኻልን ንምፍታሕን ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣገንዚቦም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ዝተዳለወ ፎረም እውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ፎረም ኣብዚ እዋን ዘለዉ ጭቡጣት ኩነታትን ኣብ መፃኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩነታትን ቀሪቦም ዘተ ከም ዝተኻየደሎምን፣ሚዲያ ኦንላይን ሚኒስቴር ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ሓቢሩ።