ፈላሞት 26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ተቀይሮም- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፈላሞት 26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ብምቕያር ናብ ስራሕ ኣትየን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ተቐይረን ናብ ስራሕ ብምውዓለን ዝተሰምዐኒ ታሕጓስ ክገልፅ ይደሊ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ስራሕቲ ፍርያት ጋዝ ተፈይሮ ካብ ዝፈርየሉ ስፍራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጉዕዓዝ፣ መዐድሊታት ጋዝ ምድላውን ኣውቶብሳት ከትማ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ምቕያርን እናተሳለጡ ከም ዝፀንሑ ኣረዲኦም።
እዚ ታሪኻዊ ስጉምቲ ኣብ ዕድጊት ነዳዲ ዝወፅእ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ብዝለዓለ ብርኪ ከም ዘትርፍ ፀሪሖም።
ብተወሳኺ እውን ወፃኢ መካየዲ ስራሕ ትራንስፖርት ህዝቢ ብምቕናስ ታሪፍ ጉዕዞ ዜጋታት ብፍርቂ ከም ዘቃልል ኣብሪሆም።
ብነዳዲ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ብባዕላዊ ዓቕሚ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ናይ ምቕያር ስራሕ ድማ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገርን ስግግር ቴክኖሎጂን ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ነዳዲ ዘሎ ፅግዕተኛነት ሙሉእ ብሙሉእ ንምትራፍን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ዘሎ ጋዝ ተፈጥሮ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን ዘኽእላ 400 ሓደሽቲ ብጋዝ ተፈጥሮ ዝሰርሓ ኣውቶብሳት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገር ከም ዝኣትዋ ገሊፆም።
ኣብ ዓውድታት ምግቢ፣ ገዛን ትራንስፖርትን ጭቡጥ ስራሕቲ ብምስላጥ ኣብ ሂወት ዜጋታት መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝተጀመሩ ዝተባብዑ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።