Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ምግብን ሎጂስቲክስን ደገፍ ንምሃብ ተዳልዮም ናውቲታት ዝነበሩ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምት፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓውልቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ምግቢን ሎጂስቲክስን ደገፍ ንምግባር ተዳልዮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብዝተገበረ ሓባራዊ ምፅራይፃ ከምዝተታሕዙ ተገሊፁ።

ካብቶም ዝተታሕዙ ናውቲታት እግሪ ሳእኒ ኮንጎን ኮሮንሾ እንጀራን ከምኡ እውን ሕሩጭ ፉርኖ፣ ዘይቲ፣ ጣፍ፣ በርበረ፣ ሽሮን ሳሙናን ይርከብዎም።

እቶም ዝተታሕዙ ኣቑሑት ብገንዘብ እንትግምገሙ 1.4 ሚልዮን ብር ዝግመቱ እንትኾኑ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ክከፋፈሉ ገይሩ።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ከንቲባ ከተማ መቐለን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣይተ ሙላው ኣብርሃለይ ከምዝበልዎ እቶም ዝተታሕዙ ኣቑሑት ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ክከፋፈሉ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ነበርቲ ከተማ መቐለ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ኣጠራጠርቲ ምንቅስቓሳት ብምክትታል ሓበሬታ ክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.