Fana: At a Speed of Life!

ዓቕሚ ኣህጉራዊ ድርድር ለውጢ ክሊማ ዘጠናኸረ ሓምለዋይ ኣሰር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ዘካየደቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሕ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝጀመረሉ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ኣብ እዋን ክረምቲን ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይን ኣቢላ ልዕሊ 56 ቢልየን ፈልሲ ተተኺሉ እዩ።

እዚ ድማ ካብ ምዕባይ መፍረያይነት ሕርሻ ጀሚሩ ኩለመዳይ ረብሓታት ከምፅእ ጀሚሩ ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ነቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ስግኣታት ዝኾነ ፅዕንቶ ለውጢ ክሊማ ንምፅዋር እትኽተሎ ዘላ መገዲ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣርእያ እያ።

ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ተግባር ዝኣተወ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ትምህርቲ ዝህብን ብኣብነትነቱ ዝፅራሕን መርሃ ግብሪ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዓቕሚ ዞባዊ ድርድር ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ ዝሃንፅ፣ ከምኡ እውን ዞባዊ ኣብነትነታ ዘረጋገፀ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ሓለዋ ከባቢን ልምዓት ከተማን ዝሃነፀቶ ተሞክሮ ኣህጉራዊ ኩርዓትን ንካልኦት ሃገራት እውን ዝጠቅም ተግባርን ኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብትኹረት ስለዝተሰርሐ ሽፋን ደኒ እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን 23 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ዝበፅሐ እንትኸውን፤ መንግስቲ መደመር እውን ነዚ ምጣነ ንምዕባይ ብቆራፅነት ይሰርሕ ኣሎ።

ሕብረተሰብ እውን ንረብሓ እቲ መርሃ ግብሪ ብምግንዛብ ንጡፍ ተሳትፎኡ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ክሊማ ዝሃበቶ ልዑል ትኹረት ኣጀንዳታት ዘተ ካብ ኣዳራሽ ናብ ተግባር ብምልዋጥ ብዛዕባ ዝዓረቑ መሬታት ብኣግራብ ክትሽፍን ኣኽኢልዋ እዩ።

እዚ ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ተግባራዊ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ኮይኑ ኣሎ። ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ብቢልየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ምትካል፣ ፀጋታት ተፈጥሮ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ብዛዕባ ካሕሳ ምልቃቕ ካርበን ንምድርዳር ዘሎ ዓቕሚ ኣዕብዩ እዩ።

ኣፍሪካውያን ኣህጉራዊ ዓቕሚ ድርድሮም ብምጥንኻር ካብ ልዑል ምልቃቕ ካዘርበን ዝመፅእ ፍትሓዊ ካሕሳ ክረኽቡ ንምኽኣል፤ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ቁልፊ መበገሲ እዩ። ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ካብ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኢትዮጵያን ካብ ሓምለዋይ ልምዓትን ተሞክሮ ብምውሳድ ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ።

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ን12 መዓልታት ኣብ ከተማ ኣንታልያ ቱርኪ ዝካየድ “ካብ ዘተ ናብ ተግባርን ኣፈፃፅማን ምስግጋር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት መንግስታት፤ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ድርድር ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ስራሕታ ሒዛ ክትቀርብ እያ።

ኣብ ማእኸል ኤክስፖ ኣንታልያ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዘካየደቶም ብዙሓት ተግባራት ንምርኢት ክተብቅዕ እያ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.