ስምረት ጠለባት ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ብትግሃት ክሰርሕ እዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ስምረት ጠለባት ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ብትግሃት ክሰርሕ እዩ ኢሎም ኣቦ ወምበር እቲ ፓርቲ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።
እቲ ፓርቲ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ የካይድ ኣሎ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ስምረት ካብ መጀመርታኡ ንድሌት ለውጢ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ብምግባር ዝተመስረተ እዩ።
እቶም ኣቦ ወምበር ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ዕዉታት ስራሕቲ ከምዘካየደ ኣዘኻኺሮም።
ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርቲ ዘለዉ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብዝርዝር ብምግምጋም ዝሓሸን ዕዉትን ስራሕ ንምክያድ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ ኢሎም።
ስምረት ኣብ ለውጢ ብዝኣምኑ ኣካላት ስለዝተመስረተ ብህዝቢ እቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብቲ ክልል ዝካየድ መረፃ ንምስታፍ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከምዝገብር ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕ ዘሎ ምምሕዳር በዓል ሓደራ ብምድጋፍ ጠለባት ልምዓት ህዝቢ ንምምላእ ፃዕሪ ከምዝገብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እቲ ፓርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ቤት ፅሕፈታት ንምኽፋት ምድላው ከምዝገበረ እውን ኣፍሊጡ።