Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ተወዳዳራይነት ፍርያታት ብምርግጋፅ ኣብነት ዝኸውን ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓት ፅሬት ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእኸል ብምህናፅን ተወዳዳራይነት ፍርያታ ብምርግጋፅን ኣብነት ዝኸውን ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ “ንግዲ ወፃኢ ኣፍሪቃ ብፅሬት ምህናፅ” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ዓለም ለኸ ንግዲ ብቐፃሊ ኣብ ዝቀያየረሉ ዘሎ እዋን ናብ ዕዳጋ ንምእታው ዘድሊ ደረጃ ፅሬት ምምላእ ወሳኒ ጉዳይ እዩ።

ኣፍሪቃ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልየን መንእሰይ ህዝቢ፣ ሰፊሕ መሬትን ሃፍቲ መዓድንን እኳ እንተሃለዋ፤ ወሰኽ ዋጋ ብምግባር ሃፍታ ናብ ጭቡጥ ዓቕሚ ኣብ ክንዲ ምቕያር ንነዊሕ ዘበናት ጥረ ኣቑሑት ጥራሕ ብምልኣኽ ተወሲና ከምዝፀንሐት ኣልዒሎም።

ክንደይ ዝኣክል ልኢኽና ዝብል ዘይኮነስ ክንደይ ወሰኽ ዋጋ ጌርና ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ፅሬት እምነት ከምዝሃንፅ፣ እምነት ድማ ናይ ንግዲ መለዋወጢ ገንዘብ እዩ ኢሎም።

ኣፍሪካ ኣብ ትካል ዓለም ለኸ ንግዲን ኣብ ዓለም ለኸ ማዕቐፋት ሕጊን ካልኦት ዘውፅእዎ ሕጊ ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ብሓደ ድምፂ ክትዛረብ ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።

ብሰንኪ ጉድለት ፅሬት ካብ ዶብ ሃገራት ዝምለስ ነፍሲ ወከፍ ፍርያት ኣፍሪካ ገንዘብ ሰደድቲ ጥራይ ዘይኮነስ ስም እታ ኣህጉር እውን ከምዘበላሹ ኣብሪሆም።

ዕላማና ፍርያታት ብናፃ ዝንቀሳቐሱሉን ካብ ዶባትና ሓሊፎም ክብሪ ዘምፅኡሉን ሓደ ውፁእ ዝኾነ ኣህጉራዊ ስርዓት ፅሬት ምህናፅ እዩ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪታ፣ ትካላት ምደባ ደረጃታት፣ ቁፅፅር፣ ምስክር ወረቐት ፅሬት፣ ሜትሮሎጂን ኣክሬዲቴሽንን ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእኸል ዝኣከበ ዘበናዊ መንደር ፅሬት ከምዝሃነፀት ሓቢሮም።

እዚ ድማ ትካላት ንግዲ ኢትዮጵያ ናይ ዝኾነ ይኹን ዓለም ለኸ ዕዳጋ ጠለብ ከማልኡን “Made in Ethiopia” ዝብል ስም ኣብ ዝኸዶ ኩሉ ተኣማንነት ክህልዎን ከምዘኽእል ኣብሪሆም።

ኣብቲ ፎረም ካብ ልዕሊ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመፅኡ ሚኒስተራት ንግዲን ልዕሊ 300 መራሕቲ ትካላት ንግዲን ፋይናንስን ይሳተፉ ኣለዉ።

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.