Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ገደብ ሰዓት ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ምምሕያሽ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ካብ 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝፀንሐ ገደብ ሰዓት ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብዝተረኸበ ዝሐሸ ኩነታ ፀጥታ ምምሕያሽ ሰዓት ተገይሩሉ።

እቲ ምምሕያሽ ህዝቢ ዝገበሮ ኩለመዳይ ሓገዝን ምትሕብባርን ብምምስጋን፤ ዝተረኽበ ለውጢ መሰረት ብምግባር ምምሕያ ንኽግበር ከምዝተወሰነ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ መምርሒ ካብ ምሸት ሰዓት 2:00 ዝነበረ ገደብ ምንቅስቓስ መኻይ ክሳብ ሰዓት 4:00 ናይ ምሸት ክኸውን ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ንባጃጅን ሞተር ሳይክልን ግና እቲ ዝፀንሐ ገደብ ሰዓት ንተወሰነ እዋን ከምዝፀንሕ ተወሲኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሆቴላት፣ ሬስቶራንታትን ካልኦት ኣገልግሎት ዝህባዊ ትካላትን 24 ሰዓት ኣገልግሎት ክህባ ከምዝተፈቐደ ተሓቢሩ።

እቶም ሓደሽቲ ምምሕያሻት ካብ ሎሚ መዓልቲ 14 ሕዳር 2019 ዓ.ም ጀሚሮም ተግባራዊ ከምዝኾኑ ሓይሊ ፀጥታ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኩሎም ኣካላት ፀጥታ እቲ መምርሒ መሰረት ብምግባር ንኽሰርሑ እውን ኣታሓሳሲቡ።

ብሃይላይ መሓሪ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.