Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መድሓኒታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብብዝሒ ንምፍራይ ትሰርሕ ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ዓቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ፍርያት መድሓኒት ፅሬትን ድሕንነትን መድሓኒታት ብዘረጋገፀ መንገዲ ብብዝሒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ “ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ጥዕና ኣፍሪካ፤ ካብ ፅግዕኝነትን ተቓላዕነትን ናብ ዋንነትን ፅንዓትን ዝግበር ስግግር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ብመሰረት ማዕቐፍ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፣ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ (AI) ብምሕጋዝ ኣገልግሎት ጥዕናን ፍርያት መድሓኒታት ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ መድሃኒታትን ካብ ወፃኢ ብዝኣትዉ ክታበታትን 3ይ ደረጃ ብቕዓት ውድብ ጥዕና ዓለም ምስክር ብቕዓት ከም ዝረኸበት ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ኣፍረይቲ መድሃኒታት ንዞባዊ ዕዳጋ እውን ከቕርቡ ዘኽእል ጠንካራ መሰረት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ምስ ክኢላታት ስፔሻሊስት ክራኸቡን ሓበሬታ ተሓከምቲ ኣብ ዝኾነ ትካል ጥዕና ተበፃሒ ክኸውንን ቴክኖሎጂ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ንነባራዊ ኩነታት እታ ኣህጉር ብዘገናዘበ መልክዑ ዲጂታል መሳርሒታት ጥዕና ብተመራመርቲ ኣፍሪካ ክፈርዩ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ እዚ ንምትግባር ድማ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ቀፃሊ ባጀትን ብባዕልና ዝምራሕ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕናን ከም ዘድሊ ኣብሪሆም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.