መንግስቲ መደመር ተበፃሕነት ብኣምር ፓንኣፍሪካኒዝም ንዝተቓዩ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ምቹው ኩነታት ፈጢሩ እዩ – ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ
ኣአዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ብኣምር ፓንኣፍሪካኒዝም ዝተቓነዩ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ተበፃሕቲ ዝኾኑሉ ምቹው ኩነታት ፈጢሩ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ቱሪዝምን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ።
ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ምስ ኣርክ ውድ ኢንተርቴይመንት ብምትሕብባር ካብ 18 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ፊልም ብምድሃብ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ኣብቲ ፌስቲቫል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ ልዕሊ 500 ሰብ ሞያ ፊልምን ኦዲዮቪዥዋልን ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ቱሪዝም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ሓሳብ ፓንኣፍሪካኒዝም ንኽድንፍዕ ልዑል ብፀሒት ካብ ዘበርከታ ሃገራት ብቕድሚት ትፅራሕ ሃገር እያ፡፡
ኪነ-ጥበብ ሃገራዊ ክብሪታት ንምፍላጥ፣ ንምግንዛብን ሓበራዊ ያታ ንምህናፅን ዕዙዝ እጃም ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።
እቲ ፌስቲቫል ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ታሪኽን ሓሳብን ብናይ ባዕሎም ኣንደበት ንኸስምዑ ዓብዪ ኣስዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።
መንግስቲ መደመር ብፓን ኣፍሪካኒዝም ዝተቓነዩ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ተበፃቲ ዝኾኑሉ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣልዒሎም።
ኪነ-ጥበብ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዕዙዝ ግደ ንኽህልዎ ብዝበለፀ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ወሲኾም ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።