Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ መስፍን ጣሰው ክንፊ ኤርባስ A350 ኣውሮፕላን ኣብ ዝፈርየሉ ፋብሪካ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ክንፊ ኤርባስ A350 ኣውሮፕላን ዝፈርየሉ ፋብሪካ ዑደት ኣሳሊጦም። እቲ ዑደት፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ እንግሊዝ በረራ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመቱ ምኽኒያት…

ዲጂታል ጥዕና ሸቶታት ዓውዲ ጥዕና ኣብ ምዕዋት እወንታዊ ኣጋጣሚታት ይፈጥር ኣሎ – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ጥዕና ሸቶታት ዓውዲ ጥዕና ኣብ ምዕዋት እወንታዊ ኣጋጣሚታት ይፈጥር ኣሎ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገሊፀን። ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን  ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ዝኾነ “ቤተር ዛን ካሽ አሊያንስ”ን…

ኣብ ከተማ ጅጅጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 900 ሺቓት ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ከተማ ጅጅጋ ትማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ  932 ሺቓት ዓኒዮም። እቲ ሓደጋ ባርዕ ታይዋን ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ማእኸል ዕዳጋ ኢዩ ኣጋጢሙ ተባሂሉ። መበገሲኡ ከምዘይተፈለጠ ድማ ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ባርዕ ካብ ከተማ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 416 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም – ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 416 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም  ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፆም። መበል ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ፣ ራብዓይ ዓመት ዘበን ስራሕ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።…

ፕሬዚዳንት ጆባይደን ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፍዎ ዉሳነ ተግባረታዊ ከምዝገብርዎ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆባይደን ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፍዎ ዉሳነ ተግባረታዊ ከምዝገብርዎ ኣረጋጊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣዝዩ ከቢድ ዝበልዎ ውሳነ ንምዉሳን ንዉሕ ዝበለ እዋን ከምዝወሰዶምን፤ ብመንፅር ዩክሬን ዝገጠማ ሕፅረት ተተኳሲ ግና…

ዝተፈላለያ ትካላትን ንፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝገብረኦ ደገፍ ይቕፅላ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላትን ንፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝገብረኦ ደገፍ ይቕፅላ ኣለዋ። እተን ትካላት ኣብ መበል 16 ዙር ልዕሊ 76 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበራ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብመሰረት እዚ ኮርፖሬሽን…

ኣይተ ደመቀ ኢትዮጵያ ንኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ እትገብሩ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን  ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካሞኒክ ሳንዛባጋንዋ (ዶ/ር) ዘቲዮም። ሞኒክ ሳንዛባጋንዋ (ዶ/ር) ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ…

ትራንሽን ማኑፋክቸሪንግ ሲሪየስ ሞዴል 20 ቴሌፎን ካሞን ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትራንሽን ማኑፋክቸሪንግ ሲሪየስ ሞዴል 20 ቴሌፎን ካሞን ኣብ ኢትዮጵያ ኣፋሊጡ። እቲ ኩባኒያ ንፈለማ እዋን ዘፋለጦ ቴሌፎን ዘመናዊን ዓለም ለኻዊ ዕብየት ቴክኖሎጂ ሞባይል ዘርእይን ኢዩ ተባሂሉ። 108 ሜጋ ፒክስል ካሜራ ፎቶን ቪዲዮን ብፅርየት…

መዐወኒ እፅ፣ ስኒ ሓርማዝ፣ ደረቕ ጫትን ነዳዲን ናብ ሱዳን ክሳገር ክብል ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መዐወኒ እፅ፣ ስኒ ሓርማዝ፣ ደረቕ ጫትን ነዳዲን ናብ ሱዳን ክሳገር ክብል ኣብ ኬላታት ከተማ ሑመራ፣ ዲማ፣ ባዕኸርን ራዊያንን ተታሒዙ። እቲ ኣብ 22 ተረሽዋ ዝነበረ መዐወኒ እፅ መበገሲኡ ካብ ከተማ ሻሸመኔ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ብዓል 25…

ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ትሰርሕ ኣላ – ዳይሬክተር ሲ.ዲ.ሲ ኣፍሪካ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ዓውዲ ጥዕና እትገብሮም ዘላ ስራሕቲ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ኢዩ  ክብሉ  ዳይሬክተር ሲ.ዲ.ሲ ኣፍሪካ ጄነራል ዶክተር ዢን ካሴያ ገሊፆም። ብዶክተር ዢን ካሴያ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ኣብ ሃገር ለኸ…